ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስብርባር መርከብ ታይታኒክ ንምርኣይ ዝጠሓሉ ዳህሰስቲ ደሃዮም ኣይተረኽበን


ስብርባር ህብብቲ መርከብ ታይታኒክ ንምርኣይ ናብ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዝጠሓሉ ዳህሰስቲ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ካናዳ ደሃይ ምጥፋኦም ነቲ ዑደት ዘወሃህድ ኦሺንጌት (OceanGate) ዝተባህለ ትካል ዳህሰሳ ኣፍሊጡ። ነቶም ደሃይ ዘጥፍኡ ዜጋታት ንምድላይ ሓለዋ ባሕሪ ካናዳን ኣመሪካን ተዋፊሮም ኣለዉ።

ኣብቲ ብሓለዋ ዶባት ኣመሪካን ካናዳን ዝግበር ዘሎ ናይ ድልያ ስራሕ፡ ዛጊት ተስፋ ኣይተረኽቦን። ክሳብ ሰሉስ ፍርቂ መዓልቲ ኣቆጻጸራ ሰዓታት ቶሮንቶ/ኒው-ዮርክ ድማ ነታ መዳሰሲት ሳብማሪን ናይ 40 ሰዓታት ዘጽንሕ ኣየር-ኦስክጅን ጥራይ ከም ዝነበራ ነቲ ጕዕዞ ዘዳለወ ትካል ኣመልኪቱ።

ስብርባር መርከብ ታይታኒክ፡ ካብ ገማግም ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ 1,450 ኪሎሜተር ንማእከል ዝኣተወ ኰይኑ፡ እቶም ነታ መርከብ ክርእዩ ዝተጓዕዙ ሓሙሽተ ዜጋታት፡ ነፍሲ-ወከፎም 250-ሽሕ ዶላር ከም ዝኸፈሉ ተፈሊጡ። ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ናብታ ስብርባር መርከብ ንምብጻሕ ኣስታት ክልተ ሰዓታት ከም ዘድሊ ሓበሬታ ወኪል ጕዕዞ ናይታ መደብ ኣመልኪቱ።

ታይታኒክ ተባሂላ ትፍለጥ ናይ ብሪጣንያ ህብብቲን ኣዝያ ዓባይን መርከብ፡ 1,500 ተጓዓዝቲ ሒዛ ካብ ሳውዝ ሃምፕተን ዓዲ እንግሊዝ ናብ ኒውዮርክ ክትጓዓዝ ከላ ኣብ 1912 ምጥሓላ ይፍለጥ። ድሕሪኡ ኣብ 1997 ዝወጸት ዓባይ ፊልም `ታይታኒክ፡` ንኹነታት ምጥሓል`ታ መርከብ መሰረት ጌራ ዝተሰርሐት’ያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG