ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ “ውልቃዊ እምነት ንተኽእሎ ሓባራዊ ስራሕ ከይዕብልሎ” ተማሕጺኖም


ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኮይኖም ዝተመዘዙ ረክስ ቲለርሰን ትማሊ ሓሙስ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ንገዛእ ርእሶም “ እቲ ሓድሽ ወዲ’ ኢሎም ድሕሪ ምልላይ ንኩሎም ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ዝሰርሑ “ ውልቃዊ እምነት ነቲ ብሓባር ናይ ምስራሕ ተኽእሎ ከይዕብልሎ” ተማሕጺኖም።

ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ረክስ ቲለርሰን ነዚ ዝበሉ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ስርሖም ኾይኑ እዚ ድማ ድሕሪ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝኾነ ሰራሕተኛታት እቲ ሚኒስትሪ ነቲ ብፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝሓለፈ ካብ ሸውዓት ዘበዝሓ ካብ ህዝበን ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዝኾነ ሃገራት ናብ ኣሜሪካ ዝኣትው ስደተኛታት ዝኽልኽል ውሳኔ ብምቅዋም ፍርማ ድሕሪ ምትእኽኻቦም እዩ።

ንሶም ብተወሳኺ ንክእለት እቲ ሚኒስትሪ ንዝበለጸ ከም ዝጥቐመሉ ብምግላጽ ከምዚ ኢሎም።

“እዚ ኣቐዲሙ ክስርሓሉ ዝጸንሓ መስርሕ እቲ ሚኒስትሪ ለውጢ ዘምጽእ ይኸውን። ለውጢ ንስለ ለውጢ ግን ኣንጻር ውጺኢታዊነት እዩ እዚ ድማ ናተይ ኣቐራርባ ኣይኾነን።”

እዞም ሓድሽ ዝተመዘዙ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ነቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ፍልልይ ኣፍልጦ ብምሃብ ንሰራሕተኛታት እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዕላማ’ቲ ሚኒስትሪ ጥራይ ከተኹሩ ጸዊዖም።

ብምቕጻል ንሶም "ብቕንዕና ንፖሊሲታት ወጻኢ ከነውሕስ ኢና እዚ ድማ መሰረት እቲ ምስ ካልኦት ነኻይዶ ዝምድና ክኸውን እዩ" ኢሎም።

ሰነት ኣሜሪካ ረቡዕ ንምርቋሕ ረክስ ቲለርሰን ንሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ዘጽደቐ ኽኸውን ኸሎ ኣቐዲሞም ኣቦ መንበርን ሓላፊ ፈጻሚ ኣካል ናይ ነዳዲን ጋዝ ኩባንያ ኢክሶን ሞቢል ኮይኖም ዝሰርሑ’ዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኩሎም ማለት ሰለስተ ኣባላት ዲሞክራት ፓርቲ ኣብ ሰነት ኣሜሪካ ግን ንምርቋሕ ረክስ ቲለርሰን ከምዝተቓወሙ ተፈሊጡ’ሎ።

ብካልእ ወገን ዋላ’ዃ ኣብ ሰነት ኣሜሪካ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ እንተተፈጥረ እቲ ሚኒስትሪ ግን ኣብ ትሕቲ ቲለርሰን ብሓድነት ከምዝቕጽል ተሓጋጋዚ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ነበር ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG