ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህቡብ ስነጥበባዊ ኣቶ ትካቦ ወልደማርያም ዓሪፎም፣ ሎሚ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም


ካብ መንጎ ጀመርቲ ደርፍታት ትግርኛ ኣቶ ትኳቦ ወልደማርያም ቅድሚ ትማሊ ቀዳም፡ ኣብ ምበል 91 ዕድሚኦም ኣብ ከተማ ኣስመራ ዓሪፎም።

ሎሚ ሶኑይ ድማ ብብዙሓት ስነ-ጥበባውያንን ህዝብን ተሰንዮም ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ መካነ-መቃብር ኣቡነ ኣረጋዊ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።

Tikabo Weldemariam Funeral
Tikabo Weldemariam Funeral

ካብ መጀምርታ 60`ታት ጀሚሮም ` ከም ኮኸብ ኣብ ሰማይ ተሰቒላ` ትብል ደርፎምን ፡ ካልኦት ካብ እዝኒ ኣፍቃሪ-ሙዚቃ ዘይፍለያ ደርፍታትን ዘበርከቱ ኣቶ ትኳቦ ወልደማርያም፡ ካብ መንጎ መስረቲ `ማትሃል` ማለት ማሕበር ትያትርን ሃገራዊ ልምድን ከምኡ ድማ ካብ መንጎ መስረቲ `ማትኣ` ማለት ማሕበር ትያትር ኣስመራ` ዝነበሩ`ዮ።

ኣቶ ትኳቦ፡ በዓል-ሓድርን ኣቦ ትሽዓተ ቆልዑን`ዮም።

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG