ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተጋሩ ኣብ ዓፋር፣ካብ ምርጫ ነብሶም ኣግሊሎም


ኣሚነ ወ/ሚካኤልን ኣልጋነሽ ገ/ሚካኤልን
ኣሚነ ወ/ሚካኤልን ኣልጋነሽ ገ/ሚካኤልን
ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ክልተ ወረዳ ኣብዓላ ኣብ ጣብያታት ለምለም፣ ውህደትን ህድሞን ከምኡ’ውን ኣብ ቁሸት ወጋዬ ዝነብሩ ልዕሊ 13 ሽሕ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን ኣብ ዝሳኣናሉ ስርዓት ድምጽና ኣይንህብን ምባሎም ብተወከልቶም ኣቢሎም ገሊጸም፡፡

ሓረስታይ ኣሚነ ወልደገብርኤል ብቋንቋና ክንማሃርን ክንማሓደርን ኢልና ን20 ዓመት ምሉእ ዘቕረብናዮ ጥርዓን ሰማዒ ኣይረኸበን ይብሉ፡፡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ እስማዒል ዓሊ ሴሮ ናብቲ ወረዳ መጺኦም ምስ ህዝቢ ተራኺቦም ከም ዝተዘራረቡ ገሊጾም ግን ድማ ብቋንቋኹም ክትማሃሩ እምበር ክትማሓደሩስ ኣይንፈቕደልኩምን ኢሎምና እውን ይብሉ፡፡

ካብዚ ብምብጋስ ህዝቢ ዘይወከሎምን ንህዝቢ ዘይጠቕሙን ክንመርጽ ኣብ መረጻ ኣይንሳተፍን ብምባል ወሲንና ኣለና ይብሉ፡፡

ወይዘሮ ኣልጋነሽ ገብረሚካኤል ብወገነን ህዝቢ ንመረጻ ኣይንምዝገብን ብምባሉ ሕገ ደምቢ መረጻ ረጊጾም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ይምዝግቡ ኣለዉ፡፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ኣብ ስዑዲ ዓረብያን ኣዲስ ኣበባን ዝነብሩ ሰባት ይምዝግቡ ኣለዉ፡፡ ፖላይስ ከይተረፉ ንመረጻ ዝተመዝገብሉ ወረዳ እውን ኮይኑ ኣሎ ይብላን፡፡

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መረጻ ዞባ ክልተ ኣይተ ዓሊ ሴኮ ብዛዕባ እዚ ተሓቲቶም እንትምልሱ ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ ህዝቢ ድምጹ ክህብ ተመዝጊቡ እዩ፡፡ ኩሉ ድዩ ተመዝጊቡ ወይስ ዝተረፈ ህዝቢ ኣሎ ዝብል ኣብ ውሽጢ እዞም ዝቕጽሉ ክልተ መዓልታት ኣብ ዝቐርበለይ ጸብጻብ ከረጋግጽ እየ ኢሎም፡፡

ብተወሳኺ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዝፈቕዶ ዕድሚኡ ልዕሊ 18 ዝገበረ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ሰብ ብኣካል ተረኺቡ እዩ ተመዝጊቡ ዘሎ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ ይብሉ፡፡

ኣዳምፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:55 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG