ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንሓረስቶት ግዳያት ኣንበጣ 'ኣለናልካ' ዝበሉ ዳያስፖራዊያን ልዕሊ 29 ሚልዮን ቅርሺ ኣዋህሊሎም


ተጋሩ ኣብ ስራሕ ምትእኽኻብ ገንዘብ
ተጋሩ ኣብ ስራሕ ምትእኽኻብ ገንዘብ

ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝነብሩ ዳያስፖራ ተጋሩን መሓዙቶምን ኣብ ትግራይ ብዕስለ ኣንበጣ ንዝተጎድአ ሓረስታይ ንምሕጋዝ ክልተ ዙር ምትእኽኻብ ገንዘብ ብቪድዮ ኮንፈረንስን ብ ‘Gofundme’ ን ኣስታት 800 ሽሕ ዶላር ወይካኣ 29 ሚልዮን ቅርሺ ክሳብ ሎሚ ሶኒ ኣኪቦም ኣለው።

ከካብ ከባቢኡ ዝዋጻእ ገንዘብ ኣብ ሓደ ካዝና ከምዝኣትው ዝገለጸ ኣቦ መንበር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ መስፍን ረዳ፣ እቲ ምትእኽኻብ ገንዘብ ልዕሊ ትጽቢቱ ከምዝኾነ ይዛረብ።

ኣብ’ዚ ወፍሪ ምስ መስፍን፣ ኣቢስንያን ብርሃነን ትነጥፍ ዘላ መዓዛ ግደይ ብወገና ‘እቲ ምትእኽኻብ ገንዘብ ጽቡቅ ውጽኢት ከምዝተረኸበሉን፣ ኣብ ሕጺር እዋን ኣፋሊጥና ዝገበርናዮ መኣዲ ቪድዮ ኮንፈረንስ (ዙም) ልዕሊ ትጽቢታ ገንዘብ ከምዝተረኸበሉ’ ጠቂሳ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:50 0:00


XS
SM
MD
LG