ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቀንስትዮ ትግራይ ውፅኢት ምህርቲ በለስ ናብ ዓዲ ጥልያን የቕርባ ኣለዋ!


ወ/ሮ ፀጋ ምስ ፍሊጶስ
ወ/ሮ ፀጋ ምስ ፍሊጶስ

ኣብ ትግራይ ዝተጣየሻ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ጸጋን ንርአያን ካብ ፍረ በለስ ዘሰናደአኦ ማልማላታ ናብ ጣልያናዊ ትካል መሸጣ ምግቢ ልኢኸን ኣለዋ።

እቲ ንግዳዊ ርክብ ብትካል ምግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ ዝሳለጥ ዘሎ። ኣብዚ ሰሙን እዚ 4000 ጥርሙዝ ማልማላታ ናብ ናብ ዓዲ ጥልያን ልኢኽና አለና ኢለን ኣማሓዳሪት እቲ ሕብረት ስራሕ ወይዘሮ ጸጋ ገብረኪዳን።

ሓላፊት እቲ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዓርሰን ብምልላይ ይጅምራ።

ኣብ ትግራይ ዝፈሪ ምህርቲ በለስ ብዘለዎ ተፈጥራዊ ትሕዝቶ ኣብ ኣውሮጳ ልዑል ተጠላብነት ከምዝረክብ ዘሎ ኣብ ቤት ፅሕፈት ምብራቕ ኣፍሪካ ትካል ምግብን ሕርሻን ሓላፊ ሕርሻዊ ንግዲ Filippo Brasesco ይገልፁ።

እተን ኣባላት ማሕበር ሕብረት ስራሕ ክሳብ እግሪ ተኺለን ዓርሰን ዝኽእላ ትካሎም ሓገዙ ከምዘየቋርፅ እውን ገሊፆም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:35 0:00

XS
SM
MD
LG