ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፀገም ጽሩይ ዝስተ ማይ መቐለ ንምቅላል ይጻዓር’ሎ


ከተማ መቐለ ሓንቲ ካብተን ብሰንኪ ፀገም ጽሩይ ዝስተ ማይ ዝህሰያ ከተማታት ትግራይ’ያ፡፡ ኣብታ ከተማ ቅድሚ ሎሚ ዝተፈተኑ መይላታት ፍልፍላት ማይ ዛጊድ ዘላቒ ፍታሕ ከምፅኡ ኣይካኣሉን፡፡ ምቁርራፅ ማይ እንተጓንፍ ድማ ህዝቢ ካብቶም ገዛ ንገዛ ብካሩሳ ኣምፂኦም ዝሸጡ ንሓደ ፊስቶ ማይ ብ40 ቕርሺ ይዕድግ፡፡

ብሰንኪ እዚ ፀገም እዚ ድማ ህዝቢ ጥዕናዊ ፀገም ከምዘጓንፎ ይግለፅ፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዘላቒ ፍታሕ ንምምፃእ 220 ሚልዮን ቕርሺ መዲበ ይሰርሕ ኣለኹ ይብል፡፡ ኣብዚ ክልተ መይላታት ሓንፂፁ’ሎ፤ እቲ ሓደ ማይ ከርሰ ምድሪ ኩዒትካ ምጥቃም እቲ ኻልኣይ ካዓ ግድብ ሃኒፅካ ማይ ምውህላል ዝብል እዩ፡፡ እዚ ዝምልከት መጽናዕቲ ተኻይዱ ከምዝተዛዘመ ድማ ከንቲባ ከተማ መቐለ ንጉሰ ገብረ ገሊጾም፡፡

ሙሉእ ፀብፃብ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG