ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ክልል ትግራይ -- “ብግዜያዊ ምምሕዳር ክሕደት ተፈጺሙ”


ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ክልል ትግራይ -- “ብግዜያዊ ምምሕዳር ክሕደት ተፈጺሙ”
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:10 0:00

ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ክልል ትግራይ -- “ብግዜያዊ ምምሕዳር ክሕደት ተፈጺሙ”

ንሰለስተ መዓልታት ኣኼባ ዘካየዱ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ክልል ትግራይ፡ ድሕሪ ኣኼባኦም ኣብ ዝሃቡዎ በዓል 13 ነጥብታት መግለጺ፡ "ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዜያዊ ምምሕዳር ሓላፍነቱ ዘንጊዑን ንረብሓታት ትግራይ ክሒዱን" ብምባል ነቲ ብዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝቐረበ ዳግም ናይ ምቕላስ እማመ ከም ዝድግፍ ገሊጹ። እቲ መግለጺ፡ ስምምዕ ተጻብኦ ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ክትግበር ዝጽውዕ ኰይኑ፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምፍናውን ምጥያስን ሰራዊት (ዲዲኣር) ዘለዎ ተቓውሞ'ውን ኣስሚዑ ኣሎ።

ነቲ መግለፂ ጠሚቱ ፕሬዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፣ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ዘለዎም ተጋሩ ዝመስረትዎ ናይ መኸተ ሓይሊ ሰራዊት ክልል ትግራይ ንናይ ሓደ ጉጅለ ረብሓ መጥቀሚ ምፍታን ተቐባልነት ዘይብሉ ስሕተት እዩ ኢሎም።

ግዜያዊ ምምሕዳር ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ውን ንመግለጺን ቅዋምን እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት “ዕልዋ መንግስቲ ዝኣወጀን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ናብ ሓደጋ ዘእቱን፡” ኢሉ ሰይሙዎ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG