ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ቁፅሪ ሕሙማት ኤችኣይቪ ወሲኹ


ኣይተ ጠዓመ ዘገየ - ካብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ
ኣይተ ጠዓመ ዘገየ - ካብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ

ኣብ ኢትዮጵያ ለበዳ ኤችኣይቪ ቫይረስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ቀፂሉ ኣብ ትግራይ ከምዝወሰኸ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ትካል ሕብረተሰብ ጥዕና ኢትዮጵያ ይገልፅ።

ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ንኣይተ ጠዓመ ዘገየ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ኩለመዳያዊ ምላሽ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤችኣይቪ ቫይረስ ጠንቂ እቲ ወሰኽ ብቐንዱ ኣብ ምክልኻል ዘይምስራሕና እዩ ኢሎም።

ኣይተ ጠዓመ ብተወሳኺ ካብ ገጠር ናብ ከተማታት ዝረአ ዘሎ ሰፊሕ ምንቅስቓስ መንእሰያት፣እቲ ክልል ኣብ ከባቢ ዶብ ምስ ምህላዉ፣ ከምኡ እውን ኣብ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ ብምኽንያት ስራሕ ካብ ውሽጥን ወፃእን ሃገር ሰፊሕ ምንቅስቓስ ምህላዉ ንምውሳኽ ቁፅሪ ሕሙማት ተወሳኽቲ ጠንቂታት እዮም ይብሉ።

ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምንካይ መንግስቲ ተጠናኺሩ ይሰርሕ ምህላዉ ዝገለፁ ኣይተ ጠዓመ ኣብ ኢትዮጵያ ብኣቈፃፅራ ኣውሮጳዊያን 2030 ዓ.ም ካብቲ ቫይረስ ናፃ ዝዀነ ማሕበረሰብ ንምፍጣር ተተሊሙ ኣሎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ትግራይ ቁፅሪ ሕሙማት ኤችኣይቪ ወሲኹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:59 0:00

XS
SM
MD
LG