ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት ተፈናቀልቲ ኣብ መቀለ 'ኣሰቃቂ እዩ' ኢላቶ ሪፖርተር ቪኦኤ


Tigrayan internally-displaced, School in Mekelle,
Tigrayan internally-displaced, School in Mekelle,

ናብ መቀለ ትማሊ ዝኣተወት ሪፖርተርና ሂዘር ሙርዶክ ‘ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ኢንተርነት የለን። ሓቂ እዩ ዝተወሰኑ ሆቴላትን ትካላትን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ይረኽቡ እዮም ከምኡ ኮይኑ’ውን ኤለክትሪክ ክጠፍእ ከሎ ኢንተርኔት ኣይህሉን’ ትብል።

ንዝተዓዘበቶም ተፈናቀልቲ ዘጽለልሉ ካምፕታት አመልኪታ ሂዘር ክትዛረብ ከላ ‘ተፈናቀልቲ ዝርከብሉ ኩነታት ‘ኣሰቃቂ’ ክትብል ትገልጾ’።

ምስ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ብዛዕባ ረድኤትን እቲ ኩነታትን ምዝርራብ ኣይካኣልናን። እንተኾነ 18 ኣባላት ምስ ዝሓቆፈት ኮሚቴ ተፈናቀልቲ ተዘራሪብና ኣለና። ሓቂ እዩ ሕጽረት መግቢ፣ ጸገም መጽለሊ፣ ኣልባሳት ኣሎ፣ ንስድራቤታትና ንእብድ ነይርና፣ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ጊዜ ንደቅና ንምግቦም ነይርና። ሎሚ ግና ትፈልጢ ዲኺ ‘ሓደ ጊዜ እንተበሊዕና ዕድለኛታት ኢና ማለት’ዩ’ ከምዝበሉዋ’ውን ጠቂሳ ኣላ ሪፖርተርና ሂዘር ሙርዶክ ካብ መቀለ።

ብርክት ዝበሉ ካብ ከባቢኦም ከመይን ስለምንታይን ከምዝተፈናቀሉ ክጠቅሱ ከለው ትብል ሂዘር ሙርዶክ ‘ካብ ወትሃደራት ኤርትራ ወይካኣ ወትሃደራት ኤርትራ ምስ ሰራዊት ህወሓት ካብ ዝገብርዎ ውግእ ከምዝሃደሙ ዝገለጹለይ’ውን ኣለው’ ትብል ንሳ።

ብመሰረት ሪፖርት ሕቡራት ሃገራት፣ ብውሑድ 2 ሚልዮን ካብ 6 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ተፈናቂሎም ኣለው፣ ኣብ’ቲ ውግእ ዝሳተፉ ኩሎም ሓይልታት መግሃስቲ መሰላት ፈጺሞም’ዮም ይባሃሉ። ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ አንተንይ ብልንክን ‘እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ‘ምጽራይ ዘርኢ’ ክሳብ ምባል ከምዝኸዱ ዝዝከር’ዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:35 0:00



XS
SM
MD
LG