ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ምትኽኻእ ኣመራርሓ፣ መስርሕ ውድብና ህወሓትን ዝሓለፈ ጉባኤናን’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭብጢ ሰፊሕ መብርሂ ዝሃበ ኣቶ ኣማኑኤል ገብረተንሳኤ ‘ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣጓኒፉ ዘሎ ቀንዲ ፀገም ስእነት ምሕደራ ምኻኑ ኩሉ ኣሚኑሉ ዘሎ ጉዳይ’ዩ’ ይብል።

‘ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ምስ ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ሃብታም እስረኛ ተታሓሒዙ ዝዝረብ ዘሎ ነገር ድማ ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘዋርድን’ዩ’ ክብል ይገልፆ። እቲ ባዓል ሃብቲ፣ሃብታም ስለዝኾነ ጥራሕ ገበነኛ ተባሂሉ እሱር ኮይኑ እናሃለወ፣ ኣብ ደገ ከምድልየቱ እናወፀ ንክንቀሳቀስ ከምዝተፈቀደሉን፣ ሃንደበት ንሰብ ብመኪና ገጭዩ እንደገና ከምዝተኸሰሰን፣ኢህወዴግ ዘካየዶ መፅናዕቲ ኣቃሊዑ’ሎ።

እቲ መፅናዕቲ ወግዓዊ ካብ ዝኾነሉ ንነዘ ኣብ ዘሎ ጊዜ'ውን እንተኾነ፣ዝምልከቶ ክልላዊ ድዩ ፈደራላዊ መንግስታዊ ቤት ፅሕፈት ብዛዕብኡ ዝሃቦ ተወሳኺ ሓበሬታ የለን።

XS
SM
MD
LG