ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓውደ ምርኢት ስራሕቲ ናውቲ ስነ ጽባቐ ኣብ ከተማ መቐለ ተራእዩ


ናብ ምርኢት ካብ ዝቀረቡ ገሊኦም
ናብ ምርኢት ካብ ዝቀረቡ ገሊኦም
ፈላማይ ሃገራዊ ዓውደ ምርኢት ስራሕቲ ወርቅን ካልኦት ናውቲ ስነ ጽባቐን ካብ 15 ክሻብ 18 ሕዳር ኣብ ኣብ መቐለ ሆቴል ሚላኖ ተኻይዱ፡፡ እቲ ዓውደ ምርኢት ብምትሕግጋዝ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይን ቢሮ ንግድን ኢንዱስትርን እዩ ተኻይዱ፡፡

ላዕላዋይ መራሒ ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ኣይተ ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ዕላማ እቲ መድረኽ እንትገልጹ ህዝቢ ጥበቡን ባህሉን ፈሊጡ ክኾርዐሉን ሳይንሳዊ ኣረኣእያ ክሕዝ ዝገብርን እዩ ኢሎም፡፡ ብተወሳኺ ምስቶም ቅድም ኣብ ዝበሉ ስርዓታት ብምትሕሓዝ ነቶም ኣብዚ ዓውዲ ዝወፈሩ ሰባት ዝኾነን ዘይኮነን ሽም ብምሃብ ዝናሸውሉን ጸገማት ዝረኽብሉን ኩነታት ነይሩ እዩ፤ እዚ ጸገም እዚ መሊኡ ጠፊኡ እዩ ምባል ኣይካኣልን ኮይኑ ግና ነቶም ኢደ ጥበበኛታት ኣፍልጦን ናእዳን ክረኽቡ ንምግባር ዝዓለመ እዩ ይብሉ፡፡

እቲ ጥበብ ብካልኦት ከይዝረፍን ክብሪ ረኺቡ ብሓዱሽ ወለዶ ምእንቲ ክውረስ ኣብ ትግራይ ቤት ትምህርቲ ስራሕቲ ወርቅን ካልኦት ናውቲ ስነ ጽባቐን ንምጥያሽ ብመንግስቲ ተቐባልነት ረኺቡ ዝርዝር ዝበለ መጽናዕቲ ይካየደሉ ምህላዉ እውን ዘረባ ኣይተ ሙሉወርቅ ይነግር፡፡

ኣብ ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተጋሩ ኢደ ጥበበኛታት ናብ ሓደ ዘተኣኻኽብ ማእኸል መስርሕን መሸጥን እውን ኣብ ከተማ መቐለ ንምህናጽ ምምሕዳር ትግራይ መሬት ንምፍቃድ ሰናይ ድሌቱ ምግላጹ ተፈሊጡ’ሎ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 95 ሚኢታዊ ኣብ ጥበብ ስራሕቲ ወርቅን ካልኦት ናውቲ ስነ ጽባቐን ዝወፈሩ ተጋሩ ምዃኖም ይፍለጥ፡፡
XS
SM
MD
LG