29 ዓመት ዝዕድሚኡን ነባሪ ከተማ ዓዲግራትን ኣቶ ኣምሃ ዶሪ ኣባል ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ፓርቲ ዓረና ትግራይ ብምዃነይን ብፖለቲካዊ እምነተይን ብኣባላት ህውሓትን ደገፍቶምን ዓይነይ ስኢነ ክብል ገሊፁ።
ነቶም ዝበደሉ ዝተውሃቦም ፍርዲ ፍትሓዊ ኣይኮነን ኢለ ኣብ ክልል ትግራይ ጠሪዐ ሰማዒ ስኢነ፤ሕዚ’ውን ንህይወተይ ይሰግእ ኣለኹ፣እናተኸታተሉ ስራሕ ከሊኦምኒ ክብል ኸሲሱ’ሎ።
ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ብወገኑ “ኣባል ዓረና ትግራይ ብምዃኖም ዝበፅሖም በደል የለን፤እቲ ባእሲ ድሕሪ መስተ’ዩ ተኽሲቱ።ገበነኛታት ድማ ዝግብኦም ፍርዲ ረኺቦም ኣለው።ዘፈራርሖም እንተሃሊዩ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም” ይብል።
ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣቶ ተስፍኣለም ይሕደጎ ኣብሃብዎ ቃል “መንግስቲ ንጉዳይ ኣቶ ኣምሃ ዶሪ ተኸታቲሉ ንቶም በደልቲ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣቕሪቡ ቅፅዓት ንኽረኽቡ ገይሩ እዩ” ኢሎም።