ናይ 2017 ዓ.ም ናይ ሕክምና ምርምር ሽልማት ኖቤል ንሰለስተኣሜሪካዊያን ሊቃውንቲ ተዋሂቡ።ናይ ሽልማት ኖቤል ኮሚቴ ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ስቶክሆልም ሎሚ ሶኑይ ወግዓዊ ገይሩዎ’ሎ።
ዋና ፀሓፊ ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ቶማስ ፐርላምን ተሸለምቲ ነዚ ዘብቅዖም ውፅኢት ምርምር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዚ ኢሎም።
“ኣብ ካሮሊንስካ ኢንስቲቱት ናይ ኖቤል ሽልማት ጉባኤ ናይ 2017 ዓ.ም ናይ ሕክምና ተሸለምቲ ኖብል ጀፍረይ ሲ ሆል፣ማይክል ሮስማሽን ማይክል ዳብሊው ያንግን ኣብ ሞሎኪላዊ ስርዓት ንዝረኸብዎ ውፅኢት ምርምር ብሓባር ተሸለምቲ ንክኾኑ ወሲኑ’ሎ።”
ኣብ ኒው ዮርክ ዝተወልዱ ጀፍረይ ሆል ኣብ ዩኒቨርስቲ ብራንደይስ ኣብ ዘርኢ ተባዕታይ ምርምር ከካይዱ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጡረታ ወፂኦም ኣብ ካምብሪጅ ቦስተን ይነብሩ።ማይክል ሮስባሽ ኣብ ከተማ ኦክላሆማ ዝተወልዱ ኮይኖም ንሽልማት ዘብቅዖም ምርምር ሎሚ እውን ኣብ ዩኒቨርስቲ ብራንዲስ ኣብ ምስራሕ ይርከቡ።ማይክል ያንግ ኣብ ማያሚ ዝተወልዱ ኮይኖም ኣብ ዩኒቨርስቲ ራክፈለር ኒው ዮርክ ምርምሮም ቀፂሎም ኣለው።
እዞም ተመራመርቲ ዝመሃዝዎ መዓልታዊ ረምታ ደቂ ሰብ ካብ ስነ ኣእምሮኣዊ መደረኻት ሰባት ዝተወርሰ ባህሪ ምኳኑ ንድቃስ፡ባህሪ፡ ሙቐት ሰብነትን ምሕቃቕ መግቢ( ሜታቦሊስም) ዝጸልው እዩ ይብል።
ሽልማት ኖበር ዓውዲ ስነ ልቦናን ሕክምናን እቲ መጀመርያ ዝሽለም ዓውዲ ኮይኑ ተሸለምቲ ክሳብ 1.1 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ይረኽቡ።
ብተወሳኺ ብዓውድታት ፊዚክስ፡ኬሚስትሪ፡ ስነ ጽሑፍን ሰላምን ድማ ካብ ጽባሕ ሶሉስ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘሎ ጊዜ ይርቑሑ፡ ሶኑይ ድማ ተሸለምቲ ዓውዲ ቁጠባ ይርቑሑ።