ኢትዮጵያ ኣብ ዘየቛርጽ ፖለቲካዊን ታሪኻዊን ማዕበል ምዕባለን ለውጢን እያ ትርከብ። ኣብ’ዚ ነዊሕን ዝተሓላለኸን መስርሕ’ዚ ህዝቢ ትግራይ ዝወነኖ ጂኦፖለቲካዊን ታሪኻዊን መኣዝን መዘራረቢ ገይርናዮ ኣለና።
'ገለ ሓይልታት ተጋሩ ድምጾም ኣየስምዑን ዘለው ኢሎም ይነቕፉ ዘለው፣ ቃልሶም ብዘይካ ተሳትፎ ህዝቢ ትግራይ ከምዘይዕወት ስለዝፈለጡ’ዩ’ ይብል ዘጸኣት።
ኣቶ መረሳ ጸሃዬ ብወገኑ ‘ብሓደ ወገን ሃገራዊ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ፣ ልቢ ኣዕብዩ ንዓመታት ስምዒቱ ካብ ምግላጽ ተቖጢቡ ነይሩ። ብካልእ ወገን ኣብ’ዚ ክልተ ስለስተ ዓመታት ብሕልፊ ኣብ መንእሰያት ናይ ምንቕቃሕ ተርእዮታት ተዓዚብና ኣለና’ ይብል።