ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ ኤርትራዊያን ግዳይ ማእሰርቲን ስእነት መሰረታዊ መዛግብቲ ኴንና ኢሎም ኣብ ዘማርርሉ እዋን፡ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስቲን ኢትዮጵያ (RRS)፡ ንዓኣቶም ዝኸውን ኣብ ክልል ዓፋር ሓድሽ መዓስከር ንምቛም ይቀራረብ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ነቲ ሓበሬታ ንድምጺ ኣመሪካ ዘካፈለ ሓላፊ ድሕነት ስደተኛታት ዝዀነ ጣባ ለሜሳ፡ እቲ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ብምትሕብባር ንምቛም ዝቀራረብ ዘሎ መዓስከር ኣብ ከባቢ ኣባ-ዓላ ክድኰን ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ በዓልመዚ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ መዓስከር ምስ ቆመ፡ ነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ ናብኡ ወሲድካ ናይ ምምዝጋቦም መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ነቶም ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምምዝጋብ ተኽእሎ ከም ዘይህሉ ዘመልከተ ኣቶ ጣባ፡ ኣብ ሽረ መቐበሊን መመዝገቢን ንቝጣ ንምቛም ከም ዝሰርሑ’ውን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ምንባሩ መግለጺ ኣውጺኡ ምንባሩ ይዝከር።
ቅጥዒ