ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዴምህት ብረታዊ ቓልሲ ደው ምባሉ ገሊጹ


ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ/ዴምህት/ ድሕሪ ናይ 17 ዓመታት ዕጥቓዊ ቓልሲ ደው ምባሉ ንመግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ናይቲ ውድብ ብምጥቓስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፐሬት ፀብፂባ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተኣዊጁ ዝነበረ ህፁፅ ኣዋጅ ምልዓሉ፣ፖለቲካዊ እሱራት ይፍትሑ ምህላዎምን ዴሞክራሲያዊ ሃዋህው እናሰፍሐ ምምጽኡን ን20 ዓመታት መዕልቦ ከይረኸበ ዝፀንሐ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን መዕለቢ ዝርከበሉ ዕድል ምፍጣሩ መግለፂ ናይቲ ውድብ ሓቢሩ’ሎ።

ኣባላቱ ካብዝኾነ ይኹን ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክዕቀቡ እውን ደምህት ፀዊዑ’ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ለውጢ ብዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ሰላማዊ ቓልሲ ንምክያድ ዘኽእል ከምዝኾነ ብዘለዎ እምነት ዕጥቓዊ ቓልሲ ጠጠው ምባሉ ገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG