ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ልኡኽ ሃዋሳ ኣትዩ


ብቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዕድመ ዝተገብረሎም ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ሎሚ ቀዳም ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም፤ ድሕሪ ዝተገብረሎም ናይ ምሳሕ እንግዶት ድማ ናብ ዋና ከተማ ደቡብ ክልል ዝኾነት ከተማ ኣዋሳ በጺሖም።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ብቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኣሎ።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን ከምኡ እውን ላዕለዎት ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ሎሚ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብዝኣተውሉ እዋን ብብዙሕ ሽሕ ዝቑጸር ህዝቢ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሩሎም።ንናይ ሃዋሳ ኢንዱትሪያዊ ፓርክ ከምዝተዓዘቡ'ውን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ፍፁም ኣረጋ ኣብ ናይ ትዊተር ገፆም ሓቢሮም።

ልኡኽ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሓያሎ ሚንስትራት ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ዝሓቖፈ ምዃኑ ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ገሊፆም።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተውሉ ኣቀባብላ ካብ መንጎ ዝገበሩሎም ምኽትል ዋና ኣማሓዳሪ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣቦ ወንበር ህውሓትን ዝኾኑ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ክኾኑ ከለው: ኣማሓዳሪ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣቶ ለማ መገርሳ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ብናይ ኦሮሞ ባህሊ ዝለዓለ ክብርን ትርጉምን ዘለዎ ፈረስን ዋልታን ብህያብ አበርኪቶምሎም።

ምብጻሕ ፕረ. ኢሰያስ ኣብ ኢትዮጵያ
ምብጻሕ ፕረ. ኢሰያስ ኣብ ኢትዮጵያ

XS
SM
MD
LG