ትሽዓተ ኣዋርሕ ዘሕለፈ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ንነዊሕ እዋን ንምብራቓዊ ወገን እታ ሃገር ንሒፉዋ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ሕጂ ግን ናብኡ ይግስግስ ኣሎ። ዛጊት እቲ ቀንዲ ዕንወቱን ቅትለትን ኣብ ከባቢ ዳርፎር’ዩ ጸኒሑ። ካብ መንጎኡ ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሓደ ከተማ ምዕራብ ዳርፎር ጥራይ ካብ 10 ክሳብ 15-ሽሕ ዝበጽሑ ዜጋታት ቀቲሉ ኣሎ።
ዝበዝሑ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ምዃኖም ዝንገረሎም ዛጊት 7.6 ሚልዮን ሱዳናውያን ብሰንኪ’ዚ ግጭት ካብ መንበሪኦም ተፈናቒሎም ምህላዎም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ላዕለዎት ኣዘዝቲ ኲናት፡ ብዞባውያን ሓይልታትን ጎረባብቲ ሃገራትን ዝሕገዙ ምዃኖም ኣብ ምንዋሕን ምግፋሕን እቲ ግጭት ዓቢ ተራ ይጻወት ምህላዉ ይሕበር። ሰራዊት እዚ ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ ናይ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሒመቲ) ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ዝድገፉ ይገልጽ።
ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ፡ መጥቃዕቶም የሐዪሎም ናብ ግዝኣት ኣልጀዚራ ድሕሪ ምድፋኦም፡ ናብ ዶባት ኢትዮጵያውን ኤርትራን ክጽግዑ ምጅማሮም ነቲ ዝጸንሐ ኣቃውማ ክቕይር ደፊኡ’ዩ። እቲ ኣሃዱ እናደፍአን ሓያሎ ቍልፊ ቦታታት እናተቖጻጸረን ድሕሪ ምምጻኡ ድማ ናይ ኣል-ቡርሃን ሰራዊት መንእሰያት ዓጢቖም ከባቢኦም ክከላኸሉ ጻውዒት ገይሩ።
ኣብዚ ቀዲሙ ዝመጽእ ግደ ኤርትራ’ዩ።
ሪፍት ቫልይ ኢንስቲቱት (Rift Valley Institute) ዝተባህለ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣተኲሩ መጽናዕቲ ዘካይድ ትካል ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ገምጋም፡ ኤርትራ ንኣል-ቡርሃን ክትሕግዝ ዝደረኻ ነቲ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝድገፍ ሒመቲ ንምቅዋን ጽልዋ ኢማራት ኣብቲ ከባቢ ንምዕጋትን ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ።
መንነቶም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ መሰኻኽር፡ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ከም ዘመልከቱ፡ በቲ ጻውዒት ዝተኣኻኸቡ መንእሰያት ኣብ ሓሙሽተ ቦታታት ኤርትራ ወተሃደራዊ ታዕሊም ይወስዱ ምህላዎም’ዩ። ሰለስተ ካብቲ መዓስከራት ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ምዃኑ’ዮም።
ኤርትራ ደጋጊማ እቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲን ዘተን ክፍታሕ ቃል ክትህብ ምጽናሓ ይፍለጥ። እንተዀነ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ሱዳን ናብ ኤርትራ በጺሖም ምስ መራሕቲ ክዘራረቡ ጸኒሖም’ዮም። ካብ መንጎኦም ምኽትል ኣዛዚ ማሊክ ኣጋር ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣስመራ ድሕሪ ምብጻሑ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያይስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ምርኻቡ “ንጸጥታን ምርግጋእን ምብራቓዊ ክፍለ-ሃገር ሱዳን” ኣመልኪቶም ምዝታዮም’ውን ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ኣካፊሉ ነይሩ።
መሰኻኽር ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ከም ዝሓበሩዎ፡ ካብ መንጎ’ቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ መዓስከራት ታዓሊም ሱዳን፡ ብሱዳናዊ ኢንራሂም ዶኒያ ዝእዘዝ’ዮም። ኢብራሂም ዶኒያ ኣብ ወርሒ ጥሪ መንእሰያት ንሰራዊት ናጽነት ምብራቓዊ ሱዳን ክጽንበሩ’ውን ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ጸዊዑ ነይሩ። እቲ ጉጅለ ጸኒሑ መንእሰያት ንታዕሊም እናተቐረቡን ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኣካፊሉ ነይሩ። እቶም ተዓላሞ ብኣብ ኤርትራን ሱዳንን ዝዝረብ ቋንቋ ትግረ ክዘራረቡ ይረኣዩ።
ካብቶም ኣብ ኤርትራ ከም ዝርከቡ ዝተገልጸ መዓስከራት ታዕሊም፡ እቶም ክልተ’ውን ብዓሊ ሱካር ዝተባህለ ሱዳናዊ ኣዛዚ ከም ዝእዘዙ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ የመልክት። ዓሊ ሱከር ኣብ እዋን መሪሕነት ሓሰን ዑመር ኣልበሺር ኣባል ጸጥታ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብታ ናብ ኤርትራ እተዳውብ ዓጊግ ዝተባህለት ከተማኡ ኰይኑ ከም ዝከታተል ይጥቀስ። ካልእ ወታሃደራዊ መዓስከር ብሙሳ መሓመድ ሙሳ ክእዘዝ እንከሎ፣ ሓደ መዓስከር ታዕሊም’ውን ተጸዋዕነቱ ናብቲ ኣመሓዳሪ ዞባ ዳርፎር ሚኒ ሚናዊ ምዃኑ እቲ ዜና ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይጠቅስ።
ቅጥዒ