ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣመሪካ ብቕትለት 8 ሰባት ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ገዛእ ርእሱ ቐቲሉ


ኣብ ኣመሪካ ካብ ከተማ ቺካጎ ውጽእ ኣብ ዝበለ ከባቢ ሸሞንተ ሰባት ብጥይት ዝቐተለ እዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ኣብ ሓደ መደበር መዐደሊ ነዳዲ ምስ ሰበ ስልጣን ኣኽበርቲ ጸጥታ ድሕሪ ምፍጣጡ ንርእሱ ብጥይት ከም ዝቐተለ ፖሊስ ትማሊ ሰኑይ ምሽት ገሊጹ።

ፖሊስ ክፍለ ግዝኣት ኢሎነስ ከባቢ ጆለት ኣብ ናይ ፈይስ ቡክ ገጹ ከም ዝበሎ ወዲ23- ዓመት ሮምዮ ናንሲ ብሓለውቲ ጸጥታ ኣመሪካ ኣብ ቴክሳስ ናታሊ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ምሸት ሰዓት 8:30 በ ኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ከም ዘሎ ከም ዝተፈልጠን ኣብኡ ምስቶም ሓለውቲ ጸጥታ ምስ ተፋጠጠ ርእሱ ተኩሱ ከም ዝቐተለ ሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG