ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቐይዲ ዝኣተው መራሕቲ ተቃወምቲ ታንዛንያ ምፍትሖም ተገሊጹ


ተ ኣሲሮም ዝነበሩ መራሕቲ ተቃወምቲ ኣብ ዝተፈትሕሉ
ተ ኣሲሮም ዝነበሩ መራሕቲ ተቃወምቲ ኣብ ዝተፈትሕሉ

ኣብ ታንዛንያ ትማሊ ሰኑይ ተቓውሞ ንምክልካል ብዝተወስደ ስጉምቲ ኣብ ቐይዲ ዝኣተው መራሕቲ ተቃወምቲ ሰልፊታት ሎሚ ሰሉስ ናጻ ምልቃቆም ዜና ፈረንሳ ንፓርቲኦም ጠቒሱ ሓቢሩ።

ዋላ’ኳ ወግዓዊ ክልከላ ሰልፊ እንተተገብረ ተቓወምቲ ፓርቲ ቻደማ ግን ኣብ ልዕሊ ኣባላቶም ብሓይሊታት ፀጥታ ይወርድ ንዘሎ መቅተልትን ጭውያን ብምቅዋም ምስላፎም ክቕፅሉ ምዃኖም ክገልፁ ፀኒሖም።

ይኹን’ምበር እቲ ፓርቲ ትማሊ ሰኑይ ኣማስዩ ኣብ መራኸቢ ሓበሬታ ኤክስ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ምቦወን ሊሱን ሓደ ካልእ ላዕለዋይ ኣባል ሰልፊ ብዋሕስ ምፍተሖም ገሊፁ። እቲ ፓርቲ ወሲኹ መንግስቲ ፕረዚደንት ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰን ነታ ሃገር ናብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ጆን ማጉፋሊ ዝነበርሉ ሜላታት ዓፈና ይመልሳኣ ኣለዋ ክብል’ውን ይኸስስ።

ንኣመሪካ ሓዊሱ ምዕራባውያን መንግስታትን ተጣበቕቲ መሰላትን ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ከባቢያዊ ምርጫን ኣብ መወዳእታ 2025 ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ኣብ ዝቃረበሉ ዝረአ ዘሎ ዓፈና ነቒፎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG