ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ታንዛንያ ተቓውሞ ንምፍሻል ንመራሕቲ ተቓወምቲ ኣሲራ


መራሕቲ ተቓወምቲ ኣብ ቐይዲ ኣብ ዝኣተውሉ
መራሕቲ ተቓወምቲ ኣብ ቐይዲ ኣብ ዝኣተውሉ

ፖሊስ ታንዛኒያ ሎሚ ሰኑይ ንኽልተ መራሕቲ ተቓወምቲ ኣሲሩ። ኣብ ከተማ ዳር ኤስ ሰላም ዝካየድ ፀረ መንግስቲ ተቓውሞ ደው ንምባል ፖሊስ ንኣቦ-ወንበር ቀንዲ ተቓዋሚ ፓርቲ ቻደማ ፍሪማን ምበውን ንምኽትሉ ታንዱ ሊሱ ከምዝኣሰረ ፓርቲኦም ገሊፁ።

እቲ ተቓዋሚ ውድብ ንመንግስቲ ዝነቕፉ ዝቕተልሉን ዝጭወይሉን ተግባራት ንምቅዋም ሰልፊ ንምክያድ መደብ ሒዙ ኣብ ዝነበረሉ መራሕቲ ምእሳሮም ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ።

ንመሰላት ዝሕለቑ ኣካላት ከም ዝብሉዎ መንግስቲ ፕረዚደንት ሳሚያ ሱሉህ ሓሳን ኣብ ታሕሳስ 2025 ሃገራዊ ናይ ከባቢያዊ ምርጫ ቅድሚ ምክያዱ ንተቓወምቲ የጥቅዕ ኣሎ ኢሎም ይኸሱ።

ፖሊስ ተቓውሞ ንዝኽልክል እገዳ ዝጠሓሱ 14 ሰባት ምእሳሩ ገሊፁ ኣሎ። ካብ ወገን መንግስቲ ግን ዝተዋህበ ርእይቶ የለን። ቅድም ክብል ግን ንዴሞክራሲ ከም ዝከላኸልን ንጭካነ ከም ዘይፃወሮን ገሊፁ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG