ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

2 ስዊድናዊያን ጋዜጠኛታት ኣብ ኢትዮጵያ 11 ዓመት ክእሰሩ ተበይኑዎም


ላዕለዋይ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ኢትዮዽያ፣ንክልተ ስዊድናዊያን ጋዜጠኛታት ናይ 11 ዓመት ማእሰርቲ በይኑ።ብመንፅር ክልቲኦም ጋዜጠኛታት ፈፂሞምዎ ዝተባሃለ ጥፍኣት፣ዝተበየኖም መቅፃዕቲ ትሑት ምኻኑ‘ውን ተገሊፁ።

ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ ንማርቲን ሸቤን ዮሃን ፐርሰንን ገበነኛታት ኢኹም ዝበሎም ብክልተ ክስታት‘ዩ።ክልቲኦም ጋዜጠኛታት ምስ‘ቲ ብመንግስቲ ኢትዮዽያ ጉጅለ ፈጣሪ ራዕዲ‘ዩ ተባሂሉ ዝተሰየመ ኦብነግ ተራኺቦም፣ንሞያ ጋዜጠኝነት ተከዊሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮዽያ ጉድኣት ንምውራድ፣ንዒላማ ግብረ-ሸበራ ኦብነግ ደጊፎም፣ ተዓጢቆም፣ሃብቲ-ነዳዲ‘ታ ሃገር ንዝርከበሉ ስፍራ፣ኳዕቲን ኩነታት‘ቲ ፕሮጀትክን ምስ ሰራዊት ኢትዮዽያ ዘለዎ ምትእስሳርን ሓለዋን ተዓዚቦም፣ ንምዕዋት ዒላማ ኦብነግ እናተንቀሳቀሱ ከለው ስለዝተማረኹ፣ንግብረ-ሸበራ ደጊፎም ብዝብል ገበን ተኸሲሶም‘ለው።

ንኣድማሳዊ ኣምራትን ሕገ-መንግስቲ ኢትዮዽያን ጥሒሶም፣ንህዝቢ ስግኣት ዝፈጥር ነገር ንምፍጣር ናብ ኢትዮዽያ ስለዝኣተው፣ንናይ‘ታ ሃገር ፖለቲካዊ ሉኣላዊነት ጥሒሶም ዝብል ክሲ‘ውን ተረቲዖምሉ‘ዮም።

ዝሓለፈ ሰሙን ብይን ጥፍኣት ድሕሪ ምውሃቡ፣ብመሰረት ዓቃቢ-ሕጊ ንቤት-ፍርዲ ዘቅረቦ ጠለብ፣እቲ ዝዋሃቦም ፍርዲ ረዚን ክኸውን ተሓቲቱ ነይሩ።እንተኾነ እቲ ቤት-ፍርዲ ኣፍኩስዎ‘ሎ ነቲ ብይን።ስለምንታይ ከምዚ ዓይነት ብይን ሓሊፉ ንዝብል፣ጠበቃ ተኸሰስቲ ኣቶ ስለሺ ቀፀላ ዝሃብዎ ሪኢቶ ”እቲ ቤት-ፍርዲ ናይ ምፍኳስ ስልጣን ኣለዎ።ስለዚ ዝቀደመ ህይወቶም ገበን ከምዘይፈፀሙ ስለዝሕብር፣ኣብ መስርሕ ብይን ድማ ከም‘ዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ስለዘሎ‘ዩ ናይ ሎሚ ብይን ክፈኩስ ዝሓገዞም” ዝብል’ዩ።

ኣብ እዋን ሙግት፣ናይ ተኸሰስቲ ምስክራት ኮይኖም ዝቀረቡ ክልተ ጋዜጠኛታት‘ዮም።ብመሰረት‘ቲ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣ክልቲኦም ተኸሰስቲ፣ስርሖም ይፍፅሙ ከምዝነበሩ ዝጠቅስ‘ዩ ነይሩ።ብቁዕ መከላኸሊ ኣይነበረን ማለት ድዩ? ንኣቶ ስለሺ ዝቀረበ ሕቶ‘ዩ።ንሶም ክምልሱ ከለው”ንሕና እቲ ዝቀረበ ክሲ ግጉይ ከምዝኾነ ከረጋግፀልና‘ዩ ኢልና ኣቅሪብና ኣለና።ሓደ መርተዖ ይሕግዝ‘ዩ ኢልካ ተቅርብ፣እቲ ቤት-ፍርዲ ነቲ መርተዖ ገምጊሙ ብይን ይህብ።ይግባይ ክነትሕዝ እንተኾይኑ ገና ንዘራረበሉ ኣለና” በሉ።

ካልኣይ ጠበቃ ተኸሰስቲ ኣቶ ደበበ ባልቻ ብወገኖም፣እቲ ብይን ክዋሃብ‘ዩ ዝብል ትፅቢት ኣይነበረንን ኢሎም።

ዓቃቢ-ሕጊ ንብረት‘ቶም ተኸሰስቲ ብይን ንክዋሃበሉ ብመሰረት ዘትሓዞ ጥርዓን፣ኩሎም እቶም ዝተታሓዙ ንብረት ተኸሰስቲ ናብ ኢድ መንግስቲ ንክህገሩ ወሲኑ‘ሎ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ ኣብ ኢትዮዽያን ጂቡቲን ኣምባሳደር ስዊድን ከምኡውን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ቀዋሚ ልኡኽ ስዊድን ጀምስ ኣድላንደር ጉዳይ ክልቲኦም ጋዜጠኛታት፣ምስ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኢትዮዽያ ይዘራረቡሉ ከምዘለው ጠቂሶም ይብል ፀብፃብ መለስካቸው ኣምሃ።

XS
SM
MD
LG