ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ሽወደን ብሃገረ ቱርኪ ክሲ ዝቐረበሎም ክልተ ውልቀሰባት ናብታ ሃገር ከይወሃቡ ከልኪሉ


 ሓደ ካብቶም ዝተኸሰሱ ውልቀሰባት - ፋይል
ሓደ ካብቶም ዝተኸሰሱ ውልቀሰባት - ፋይል

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሽወደን ነቶም ቱርኪ ምስቲ ናይ 2016 ዓ.ም ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ዘካየደ ጉጅለ ርክብ ኣለዎም ብምባል ንዝኸሰስቶም ክልተ ሰባት ናብታ ሃገር ኣሕሊፎም ከይወሃቡ ከልኪሉ።

ቤት ፍርዲ ሽወደን እቶም ክልተ ውልቀሰባት ስደተኛታት ምዃኖምን ናብ ቱርኪ እንተድኣ ተመሊሶም ሕማቅ ኣተሓሕዛ ከገጥሞም ይኽእል’ዩ ኢሉ’ሎ።

ቱርኪ እቶም ሰባት ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ክትብል ትገልጾ ኣብ ኣመሪካ ብዝመደበሮም መራሒ ሃይማኖት ፈቱላህ ጉለን ዝምራሕ ጉጅለ’ዮም በሃሊት’ያ።

እቲ ቤት ፍርዲ እቶም ክልተ ውልቀሰባት እቲ ጉጅለ ዝጥቀመሉ ናይ ሞባይል ኣፕሊከሽን ኣብ ቴሌፎናቶም ፅዒኖም ጸኒሖም ዝብል ኣብ ልዕሊኦም ዝቀረበ ክሲ ናብ ቱርኪ ኣሕሊፎም ንኽወሃቡ ዝገብር ኣይኮናን ምኽንያቱ እቲ ተግባር ምስቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ተሓባቢሮም ዘብል ኣይኮነን ኢሉ’ሎ።

እዚ ውሳነ ዝተዋህበ ፕረዚደንት ቱርኪ ረጂብ ጠይብ ኤርዶዋን ሽወደን ኣባል ኔቶ ከይትኸውን ደጊም ከምዘይቃወሙ ድሕሪ ምግላፆም ድሕሪ መዓልታት’ዩ። ፕረዚደንት ኤርዶዋን ቅድሚ’ዚ መርገፂኦም ምቅያሮም ሽወደን ኣብ ልዕሊ ኣሸበርቲ ጉጅለታት እኹል ስጉምቲ ኣይወሰደትን ብምባል ኣባል ኪዳነ ሰሜን ኣትላንቲን (ኔቶ) ከይትኸውን ክቃወሙ ፀኒሖም'ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG