ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንሪፑብሊካን ሕፁይ ፕረዚደንት ንምኻን ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ብዓይኒ አጋይሽ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ


አብ ዩናይትድ ስቴይትስ ሱፐር ቱይስደይ Super Tuesday ተባሂሉ ዝፅዋዕን ኣብ ብርክት ዝበላ ክፍላት- ግዝአታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝካየድ ምርጫ ሪፑብሊካውያን ሚት ራምኒ ፀብለልታ ብምሓዝ ይመርሑ'ለው።

ኣብዚ ኣብ ዓሰርተ ክፍላተ - ግዝአታት ዩናይትድ ስቴይትስ ትማሊ ሰሉስ 6 መጋቢት 2012 ዝተኻየደ ናይ ሪፑብሊካውያን ምርጫ ሕፁይ ፕረዚደንት ሪክ ሳንተረም 2ይ ቦታ ብምሓዝ ይስዕቡ'ለው።

ኣብዚ ምርጫ ኒት ግንግሪችን ሮን ፓወልን'ውን ይወዳደሩ'ለዉ።

አጋይሽ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ አቶ ዑመር ኑር ካብ ኒዮርክ አቶ ኢብራሂም ዓደኑር ካብ ከበቢ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብዚ ምርጫ ሪፑብሊካን ሚት ራምኒ ምዕዋቶም ኣየጠራጥርን'ዩ ይብሉ።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG