ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣስመራ ክልተ መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ዝተጸዓኑወን ወታደራዊ መካይን ክዘሉ ብዝወረዶም ጉድኣት ሞይቶም ይብሉ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ


ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኣስመራ ክልተ መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ዝተጸዓኑወን ወታደራዊ መካይን ብሰንኪ ክዘሉ ከለው ዝወረዶም ጉድኣት ሞይቶም ክብሉ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብናይ ቲውተር መልእኽቶም ገሊጾም።

ካልኦት እውን ከምኡ ካብተን መኻይን ክዘሉ ክብሉ 11 ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ኣቲዮም ዝበሉ ኣቶ የማነ ኣብቲ ናይ ቲወተር መልእኽቶም ፖሊስ ናብ ሰማይ ሒደት ጠያይቲ ብምትኳስ ኣረጋጊኡዎ ኢሎም።ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ቲዊተር መልእኽቶም ነቲ ኩነታት ዘሕዝን ፍጻመ እዩ ክብሉ ገሊጾምዎ ኣለው።

ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታትን ሬድዮታት ተቓወምትን ግን ቁጽሪ ዝሞቱ ካብ 4 ክሳብ 11 ይበጽሕ ክብሉ ከለው ዝቖሰሉ ድማ ካብዚ ኣቶ የማነ ዝብሉዎ ዝበዝሕ ምዃኑ ይገልጹ።

ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ብዛዕባ እዚ ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰለጦን።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገደብ ዘይብሉ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት መንእሰያት ሓደገኛ ጉዕዞ ምግባር ሓዊሱ ናብ ስደት ከምርሑ ዝገብር ዘሎ እዩ ክብሉ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከጻሪዩ ዝተመስረቱ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣካላት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላትን ይነቕፉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG