ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣስመራ ዋና ከተማ ኤርትራ ተኹሲ ከምዝተሰምዔ ይግለጽ


ከተማ ኣስመራ
ከተማ ኣስመራ

ኣብ ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ዝሓለፈ ሰንበት ብወታሃደራዊ መኻይን ተጻዒኖም ይሓልፉ ካብ ዝነበሩ ተዓለምቲ ገሊኦም ኻብ መኻይን ዘሊሎም ክሃድሙ ምስ ጀመሩ ሓለውቲ ጸጥታ ተኩሲ ከምዝኸፈቱ ምንጭታት ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

በቲ ተኹሲ ይኹን ምስኡ ክተሓሓዝ ብዝኽእል ኹነታት ዝሞቱን ዝቖሰሉን ከምዘለዉ ዝተፈላለያ ናይ ተቓወምቲ መራኸቢ ብዙሃን ይገልጻ'ለዋ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ብነጻ ወገን ኣይተረጋገጸን። ድምጺ ኣሜሪካ ነዚ ንምጽራይ ዘካየዶ ፈተነ'ውን ኣይተዓወተን።

ድምጺ ኣሜሪካ ናብ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ደዊሉ ዝኾነ መልሲ ክረክብ ኣይኸአለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ዋና ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ተኹሲ ከምዝተሰምዓ ይግለጽ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:45 0:00

XS
SM
MD
LG