ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ሱዳን ሚኒስትር ፍትሒ ኣብ ዳርፉር ከባቢ ጀበል ማራ ብመንግስቲ ሱዳን ተፈፂሙ ንዝበሉዎ ኬሚካላዊ መጥቓዕቲ ነፂጎምዎ


ፋይል- ጃባርማራ
ፋይል- ጃባርማራ

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውፅኦ ሪፓርት ካብ ዝሓለፈ ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ጀበል ማራ ሰባት ኣብ ቆርበቶም መግሊ ዝሓዘ ቑስሊን አሳሕይታን፣ምስኣን ብርሃን ዓይኒ ሓዊሱ ናይ ዓይኒ ፀገማት፣ተምላስ ደም፣ተቕማጥን ከቢድ ናይ ምትንፋስ ፀገምን ከምዘጋጠሞም ሓቢሩ’ሎ።

ኣምኒስቲ ብተወሳኺ እዚ ኣብ ነበርቲ ዝረአይ ጸገም ጥዕና ሰበስልጣን ሱዳን ዝተጠቐሙዎም ኬሚካላዊ ኣፅዋራት ዝተፈጥሩ ምልክታት እዮም ኢሉ’ሎ።ህጻናት ሓዊሱ ኣስታት 250 ሰባት ብኬሚካላዊ መጥቓዕትታት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉን ካልኦት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ዝቖሰሉ ከምዘለዉ እቲ ትካል ይገልፅ።

ሚኒስትር ፍትሒ ኣዋድ ሓሳን እለኖር ትማሊ ሓሙስ ብደብዳቤ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ሰበስልጣን መንግስቲ በቶም ክስታት ከምዝተገረሙ ሓቢሮም።

ሓደ ዘፃሪ ጉጅለ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ከፃሪ ናብ ጀበል ማራ ተላኢኹ ብሰንኪ ወታደራዊ ስርሒት ምስ ዝተፈናቐሉ ሰባት ከምዝተራኸቡ ብምሕባር ካብ ከባቢኦም ዝተመዛበሉ ካብ ግጭት ንምህዳም ከምዝኾኑን ከምቲ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝገለፆ ምልክት ከምዘይረኸቡን ሓቢሮም።

ትማሊ ሓሙስ መግለፂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ጆን ኪርቢ ናይ ኣምነስቲ ፀብፃብ ኣብ ቐረባ ከምዝበፅሖም ብምግላፅ ኣብቲ ሪፖርት ዝተጠቕሱ ዘይሕጋዊ ቅትለት ሰላማዊያን ሰባት፣መጭወይትን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀሙ ፆታዊ ዓመፅን፣ ብሓይሊ ምምዝባል፣ስርቂ፣ምጥቃም ኬሚካላዊ ኣፅዋር ኩሎም ብዓሚቕ ዘሻቑሉ እዮም ኢሎም።

ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ምጥቃም ኬሚካላዊ ኣፅዋር ብትሪ ከምዘውግዝዎ ገሊፆም።

ሱዳን ምጥቃም ኬሚካላዊ ኣፅዋር ንዝኽልክል ስምምዕ ዝፈረመት ሃገር ከም ምዃና ኬሚካል ከም ኣፅዋር ምጥቃማ ንዝፈረመቶ ስምምዕ ትግህስ እያ ዘላ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG