ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኣመሪካ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም


ፋይል- ኣዲስ ኣበባ ከተማ
ፋይል- ኣዲስ ኣበባ ከተማ

ትማሊ ሶሉስ ኻብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተአኻኸቡ ተማሃሮ ብኽልተ ኣንፈት ኾይኖም ኣብ ጥቓ ሽሮ-ሜዳ ናብ ዝርከብ ኣመሪካ ኤምባሲ ብምምራሕ ተቓውሞ ከምዘስምዑ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ብመሰረት ዜና ሮይተርስ እቶም ብዙሕ ደርዘናት ቑጽሮም ዝበሎም ተማሃሮ ‘ንሕና ኣሸበርቲ ኣይኮናን። ንህዝቢ ኦሮሞ ምቕታል ደው ይበል’ ዝብል ጭርሖታት የስምዑ ኔሮም።

ሮይተርስ ንትካላት ሰብአዊ መሰላትን ኣብ ኣሜሪካ ንዝነብሩ ተቓወምትን ብምጥቃስ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ካብ ዝጅምር ዛጊት ልዕሊ 200 ዝኾኑ ሰባት ከምዝሞቱ ይጠቅስ።

ብዛዕባ’ቲ ቑጽሪ ብወገን መንግስቲ ዝተባህለ ነገር ከምዘየለ’ውን ይግለጽ። እቶም ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተቓውሞ ዘካየዱ ተማሃሮ ሰላማዊያን ምዃኖም ንምርኣይ ጻዕዳ ጨርቂ ሒዞም ምንባሮምን ሮይተርስ ይገልጽ።

ብኻልእ ወገን ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦ ሓደ ተማሃራይ እቶም ተማሃሮ ተቓውምኦም ንምስማዕ ኻብ አዲስ ኣበባ ዩኒቨሪስቲ ኣራት ኪሎ፡ኣምስት ኪሎን ስድስት ኪሎን ካምፓሳት ብዝተፈላለዩ ወገናት ተራኺቦም ተቓውሞኦም ከስምዑ ከምዝኸዱ፡ ድሕሪኡ ግን ፖሊስ እናቐጥቐጠ ከምዝበተኖምን ብዙሓት ከምዝኣሰረን ገሊጹ። ካብ ወገን መንግስቲ ምላሽ ዝህብ ኣይተረኽበን።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG