ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ -- ሕብረት ኣፍሪቃ ተስፋኡ ይገልጽ፡ ማእከል ስለያ ኣመሪካ ግን ተኽእሎ ጎንጺ የጠንቅቕ


ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጸውዐ ስትራቴጂካዊ ገምጋም ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ፡ ወከልቲ ፈደራል መንግስቲን መሪሕነት ህወሓትን እቲ ስምምዕ ንምትግባር ብምሉእነት ክሰርሑ ምዃኖም ኣረጋጊጾም ክብል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ጉዳይ እጀታ ዘለወን ሸውዓተ ሃገራት’ውን ንምሉእነት እቲ ትግባረ ብምጽዋዕ፡ ኣብ ካልእ ወገናት ኢትዮጵያ ንዝርአ ዘሎ ጎንጺ’ውን ብተመሳሳሊ ክዓርፍ ጸዊዐን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብሃገራዊ ማእከል ስለያዊ ሓበሬታ ኣመሪካ (Office of National Intelligence) ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘሕተሞ ዓመታዊ ገምጋም፡ ተርእዮታት ጎንጺ ኢትዮጵያን ኣቐዲሙ ዘይዓረፈ ግጭትን ናብ ዝተሓደሰ ዘይምርግጋእ ክመርሕ ዓቢ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ኣጠንቂቑ። እቲ ጽሑፍ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዘሎ ዘይምርግጋእን ብምሉእነት ዘይተተግበረ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያን’ዩ ከም ኣብነት ጠቒሱ'ሎ።


ንስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝድህስስ ስትራተጃዊ ገምጋም ኣብ ዝተኻየደሉ፡ ኣካል’ቲ ስምምዕ ኰይኑ ንምዕባለ እቲ ስምምዕ ዝቆጻጸር ጉጅለ ኣብ መቐለ ኣፍልጦ ተዋሂቡዎ ኣሎ።እቲ ስትራተጃዊ ኣኼባ ዕጹው እኳ እንተዀነ ብዛዕባኡ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዋህበ ሓጸርቲ መግለጺታት’ውን ተመርኲሱ ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG