ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስትራተጂያዊ ገምጋም ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ይካየድ ኣሎ


ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን መሪሕነት ህወሓትን ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝተፈረመ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ዝድህስስ “ስትራቴጂካዊ” ዝተሰምየ ገምጋም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይቃናዕ ኣሎ። እዚ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃዊ ዝጋባእ ዘሎ ርክብ፡ ነቲ ስምምዕ ዝፈረሙ ካብ ፈደራል መንግስቲን መሪሕነት ክልል ትግራይን ክርከቡ እንከለዉ፡ ኣውሓስቲ እቲ ስምምዕ ከም ፕረዚደንት ናይጀሪያ ነበር ኦሊሰገን ኦባሳንጆ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሪ ኬንያታን ተወከልቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳድር ማይክ ሃመር ይሳተፉ ኣለዉ። እዚ ሎሚ ዝጀመረ ርክብ ንጋዜጠኛታት ዕጹው ኰይኑ፡ ንወሰንቲ ኣካላት እቲ ስምምዕ ከም ምብጻሕ ዘይይተገደበ ሓገዝ፡ ምጥያስ ተዋጋእቲ ነበር፡ ምምላስ ተመዛበልቲ ናብ መበቆል ዓድታቶም ከም ዝኸውን ነቲ ርክብ ኣመልኪት ቤት ጽሕፈት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG