ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ተሰሪቑ ክወፅእ ዝገበርኩ ኣነ እየ ክብል ሓደ ጉጅለ ተቓውሞ ኦሮሞ ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ


ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ
ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ

ትማሊ ዝተቛረፀ ናይ ኢትዮጵያ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ካብ 27 ሰነ ጀሚሩ ከምዝውሃብ ሚኒስትር ትምህርቲ ኣፍሊጦም።እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ እቲ ፈተና ተሰሪቑ ክወፅእ ዝገበርኩ ኣነ እየ ክብል ካብ ሃገር ወፃኢ ዝንቀሳቐስ ሓደ ጉጅለ ተቓውሞ ኦሮሞ ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ።

ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዝተቛረፀ ናይ ኢንግሊዝኛ ፈተና ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስ ዝተዘርግሐ ፈተና ምምስሳሉ ብምርግጋፁ ምዃኑ ሚኒስትር ትምህርቲ ኣቶ ሽፈራው ሸጉጤ ገሊፆም ኣለው።

ነቲ ፈተና ሰሪቖም ብማሕበራዊ ሚዲያ ዝዘርግሑ ሰባት ናብ ሕጊ ከምዘቕርቡዎም እውን ተዛሪቦም ኣለው ኣቶ ሽፈራው።እቲ ፈተና ካብ 27 ሰነ ክሳብ 30 ሰነ 2008 ዓ/ም ከምዝውሃብ ሚኒስትር ትምህርቲ ሎሚ ሰሉስ ኣፍሊጡ’ሎ።ንመሐለዊ ተባሂሉ ካብ ዝተዳለወ ፈተና ክወሃብ ምኳኑ ተገሊጹ’ሎ።

ተማሃሮ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ምድላው ክገብሩ እውን ንብዙሓት ኣተሓሳሲቡ’ሎ።ንድምጺ ኣሜሪካ ሪእይቶኦም ዝሃቡ ተፈተንቲ ተማሃሮ ግን በቲ ኩነታት ምሕዛኖም ገሊፆም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ነቲ ፈተና ከወፅእ ዝገበርና ንሕና ኢና ክብል ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝንቀሳቐስ ናይ ኦሮሚያ ተቓዋሚ ጉጅለ ሓላፍነት ወሲዱ።ናይ ኦሮሚያ ሚዲያ ኔት ዎርክ ዳይረክተርን ኣባል ተቓወምቲ ጉጅለ ኦሮሞን ዝኾነን ጀውሃር መሓመድ ብሰንኪ ተቓውሞ ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ ምምሃር ዕድል ዘይረኸቡ ተማሃሮ ክልል ኦሮሚያ ናይ ምምሃር ዕድል ስለዘይረኸቡ ናይቲ ክልል ፈተና ክናዋሕ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ብናይ ተማሃሮ ወለዲ ፣ተማሃሮን መምህራንን ንኣካላት ትምህርቲ ሕቶ እንተቐረበ እውን ሰማዒ ስለዝስኣነ እቲ ፈተና ክወፅእ ተገይሩ’ሎ ክብል ይገልፅ።

‘እዚ ፈተና እዚ ብዝኾነ መልክዑ ደው ክሳብ ዘይበለ እዚ ወለዶ እዚ ምሉእ ብምሉእ ከምዝወድቕን ከምዝጉዳእን ኣብ ምርድዳእ ስለዝተበፅሐ እቲ ፈተና ምሉእ ብምሉእ ክሰናኸል ኣለዎ ብዝብል ኣብዚ ይሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ፈተና ኣብ ኢዶም ኣእቲዮምዎ።’

ፈተና ክውሃብ ሓደ መዓልቲ ምስተረፎ ኣብ ኢድ እቲ ጉጅለ ምእታው ንሰበልስጣን ሚኒስትር ትምህርቲ እንተተነግረ’ዃ ክቕበሉዎም ስለዘይክኣሉ ባዕሉ ጀውሃር መሓመድ ሓዊሱ ብዝተወደበ መልክዑ ነቲ ፈተና ብኢንተርኔት ከምዝዘርግሑዎ ኣቶ ጀውሃር ገሊፁ’ሎ።እቲ ፈተና ኣብ ኢድ እቲ ጉጅለ ዝኣተወሉ ኣገባብ ንምግላፅ ግን ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ብዛዕባ እዚ ንሚኒስትር ትምህርቲ ንኣቶ ሽፈራው ሸጉጤ ይኹን ንሰበስልጣን እቲ ክልል ንምዝርራብ ትማልን ሎምን ዝካየደ ፃዕሪ ኣይተዓወተን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG