ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ 12 ክፍሊ መልቀቂ ፈተና ምስራዙ ሚኒስትር ትምህርቲ’ታ ሃገር ኣፍሊጦም


ሚኒስትሪ ትምህርቲ- ኢትዮጵያ
ሚኒስትሪ ትምህርቲ- ኢትዮጵያ

እቲ ፈተና ዝተሰረዘሉ ምክንያት ኣብ ዓምድታት ማህበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ብምዝርግሑ ምዃኑ ሚኒስተር ትምህርቲ’ታ ሃገር ኣቶ ሽፈራው ሽጉጤ ገሊጾም። እቲ ዝተሰርቐ ፈተና ናይ እንግሊዝ ትምህርቲ ፈተና ምኳኑ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

‘ምሉእ ብምሉእ እቲ ፈተና ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ወጺኡ ረኺብናዮ’ለና። ስለዚ ናይ ካልኦት ዓይነት ትምህርቲ ፈተና ምቅጻሉ ግቡእ ኮይኑ ስለዘይረኸብናዮ ኹሉ ፈተና ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንዝቕጽላ ኣርባዕተ መዓልታት ክቋረጽ ምኳኑ ንወለድን ተማሃሮን ንኩሉ ህዝቢ ገሊጽና።’

ሓደ ወላዲ ብወገኖም ሰሚዕናዮ ዘይንፈልጥ ነገር ብዝበልዎ ዝተሰርቐ ፈተና ከምዝጉሃዩ ብምግላጽ ስምዒት ተማሃሮ ከምዝተተኸፈን ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG