ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብን፤ "ቅትለት ኣቶ ግርማ የሽጥላ ተሓታትነት ዘይምህላው ዘስዓቦ'ዩ" ኢሉ


ኣቶ ግርማ የሺጥላ
ኣቶ ግርማ የሺጥላ

ምምሕዳር ዝተፈላለዩ ከባቢታን ክልላትን ንቕትለት ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ፓርቲ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግርማ የሺጥላ ዝኹንኑ መግለፅታት ሂቦም።

ፓርቲ ሃገራዊ ምንቅስቃስ ኣምሓራ(ኣብን) ቕትለት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግርማ የሺጥላ ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሰባት ቕድሚ ሕጂ ፈጸምቲ ኣብ ኣመሓደርቲ'ቲ ክልል ዝተፈጸመ ቅትለት ተሓተቲ ዘይምዃን'ዩ ክብል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፓርቲ ፓርቲ ሃገራዊ ምንቅስቃስ ኣምሓራ(ኣብን) ኣቶ ጣሂር መሓመድ እቲ ተግባር ብዝምልከቶም ኣካላት እኹል መርመራ ከይተገብረሉን ፈፀምቲ እቲ መጥቃዕቲ ተፈልዮም ከይተፈለጡን ካብቲ ተግባር ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ተባሂሉ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብቅሉዕ ይወሃብ ኣሎ ክብሉ ዝገለፅዎ ፍረጃን መግለፅን ኣበርቲዖም ከምዝኩንንዎ ኣብሪሆም።

ንሶም ወሲኾምኣብቲ ክልል ተደጋጊሙ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣናት መንግስቲ ዝፍፀም ዘሎ መጥቃዕቲ እቲ ክልል ማእከል ቅልውላው ክኸውን ይመርሖ ምህላው ኣተሓሳሲቦም።

ኣቶ ግርማ የሺጥላ ካብ ዝሓለፈ ዓመት 2021 መስከረም ጀሚሮም ብሓላፍነት ክመርሕዎ ዝፀንሑ ቤት ፅሕፈት ኣብ ማሕበራዊ መርበባቱ ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ ዝተዓጠቑ ኣኽረርቲ ሓይልታት ትማሊ ብዝፈነውዎ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝሞቱ ሰባት መራሕ መኪና ኣቶ ግርማ የሽጥላ ዝነበሩ ልየ መንጌን ዓጀብቶምን ከምዝርከብዎም ኣረጋጊፁ።

XS
SM
MD
LG