ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ኣምሓራ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ሞይቶም


ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግርማ የሽጢላ
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግርማ የሽጢላ

ሓላፊ ቤት ድሕፈት ፓርቲ ብልጽግና ጨንፈር ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግርማ የሺጥላን ሓለውቶምን ኣብ ሰሜን ሽዋ ዞን መንዝ ጓሳ ዝተባህለ ከባቢ ብዕጡቓት ሓይልታት ብዘጋጠሞም መጥቓዕቲ ተዅሲ ምማቶም ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ምንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ናይ ትዊተር ገፆም ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ ንሓስብ ብሓሳብ ንምስዓር ዘይክኣሉ ኣካላት ንናይ ሓውና ግርማ የሺጥላ ህይወት ኣጥፊኦም ኣለው ኢሎም።

"ፍልልያት ብዝሰልጠነ መገዲ ምፍታሕ ባህሊ ኣብ ዝኾነሉ ዘመን ብሓሳብ ዝተፈለየ ኩሉ ብኣፈሙዝ ንምእማን ምልዓል ናይ ጥሩፍነት ናይ መወዳእታ ጫፍ እዩ" ዝበሉ ቀ/ሚ ኣብይ "ተወሊዱ ኣብ ዝዓበየሉ ከባቢ ካብ ናትና ዝተፈለየ ሓሳብ ክሓስብ ኣይነበሮን ኢሎም ዝኣምኑ ናዕበኛ ፅንፈኛታት ዝፈፀምዎ ዘሕፍርን ዘስቅቕን ተግባር'ዩ፡ ንፅንፈኛታት ተቓሊስና እንተዘይኣሊናዮም ንሓድሕድና ናብ ምውድዳእ ከምዝወስድ ድማ ግልጺ መርኣያ እዩ’’ ኢሎም።

እቲ ክልል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብሞት ኣቶ ግርማ የሺጥላ ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ “ጽንፈኛ ሓይልታት ብናይ ሓሳብ ቃልሲ ክዕወት ዘይከአለ ብሓይል ንምፍጻም ዘካየድዎ መጥቓዕቲ ዕላምኡ ምዕዋት ዘይክእል ጊዜ ዝሓለፎ ንዘለናዮ ጊዜ ኣብ ግምት ዘየእተወ ናይ ጥፍኣት መገዲ ብምኳኑ ብትሪ ንቃለሶ ተግባር ‘ዩ” ኢሉ።

መግለጺ’ቲ ክልላዊ መንግስቲ ንፈጸመቲ ናብ ሕጊ ከምዘቕርብን ፍትሒ ክረጋገጽ ከምዝሰርሕ ኣብቲ ክልል ድማ ከምዚ ዓይነት መጥቓዕቲ ንምክልኻልን ንምቁጽጻርን ሕጊ ንምክባርን ስጉምቲ ከምዝወስድ ሓቢሩ’ሎ።

ብተወሳኺ ህዝቢ'ቲ ክልል ነቲ ፍጻመ ብምኹናን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ፍትሒ ክረጋገጽ ዘድልይ ምትሕብባር ክገብር ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።

ነቶም ሓላፊ ቤት ድሕፈት ፓርቲ ብልጽግና ክልል ኣምሓራ መን ከምዝቐተሎምን ካልኦት ዝሞቱን ዝቖሰሉን እንተሃሊዮምን ግን ዝተፈለጠ ነገር የለን።

XS
SM
MD
LG