ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝርከቦም ኣብ ልዕሊ 30 ትካላትን ውልቀሰባትን እገዳ ኣጽዋር ጌሩ- ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ዝፈሸለ ፖሊሲ ምድጋም`ዩ ክብል መልሲ ሂቡ


ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ብመሰረት ኣብ ልዕሊ ኢራን፡ ሶርያን ሰሜን ኮርያን ዝጸንሐ ዓንቀጽ ሕጊ እገዳ ኣጽዋር፡ 30 ትካላትን ውልቀሰባትን ከምኡ`ውን 10 ሃገራት፡ ንኣጽዋር ዝምልከት ነገራት ሂበን ወይ ተቐቢለን ብዝብል ኣብ ዝርዝር እገዳ ኣእቲይዎም ኣሎ።

እተን ትካላትን ውልቀሰባትን፡ ኣብ ምምዕባል ሚሳይላት ወይ ጃምላዊ ዕንወት ከስዕብ ዝኽእል መሳርሕታት ኣብተን ሃገራት ብምቕባል ወይ ብምሃብ`ዩ ኣብ ናይ እገዳ ዝርዝር ኣእትዩ`ውን ዘሎ።

እቲ እገዳ፡ ዝኾነ ይኹና ናይ ኣሜሪካ ትካላት ነተን ተጠቒሰን ዘለዋ ትካላት ዝኾነ ዓይነት ኣቑሑት ኮነ ናይ ቴክኖሎጂ ሓገዝ ከይህበን፡ ከምኡ`ውን ካብ`ቶም ዝተጠቕሱ ውልቀሰባት ኣብ ዝኮነ ፕሮግራማት ሓገዝ ኣሜሪካ ከይሳተፉ ዝብል`ዩ።

ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ምስኡ ዝተኣሳሰርን ኣብ`ቲ ዝርዝር ብምእታዉ ግብረ-መልሲ ዝሃበ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ፡ ናይ ሓሶት ጠቐነ ክንሳፈፍ ድሕሪ ምቕናይ ገለ ኣብ ሚንስትሪ ወጻኢ ኣሜሪካ ዘለዉ ዝተወሰኑ ውልቀሰባት ነቲ ዝሓለፈ ዝፈሸለ ፖሊሲ ኣብ ክንዲ ምእራሙ፡ ጌጋ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ክቕጽሉ ዝደለዩ ይመስሉ ኢሉ`ሎ።

ኣብ`ቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሕ እገዳ ኣጽዋር፡ ገለ ትካላት ሩስያ፡ ቻይና፡ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ኢማራት ዓረብን ካልኦት ብርክት ዝበላን`ውን ኣብ`ቲ ዝርዝር ተጠቒሰን ኣለዋ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:01:31 0:00

ምሉእ ዝርዝር እቲ ካብ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ዝወጸ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG