ዋሽንግተን —
ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝተኻየደን 121.3 ኪሎሜተር ዝሽፍን ሳልሳይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ፡ ዕዉት ካልኣይ መድረኽ ዝዀነ ኣውስትራሊያዊን ኣባል ጋንታ እስራኤላዊት ፕሪመር-ቴክ ብራዲ ጊልሞር ክዕወት እንከሎ፡ ንዕኡ ስዒቦም ድማ ንጋንታ ባይክ-አይድ ዝስለፍ ኤርትራዊ ዮኤል ሃብተኣብን ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝዀነ ሄኖክ ምሉእብርሃንን ካልኣይን ሳልሳይን ኣትዮም።
ኣብቲ ፈረንሳዊ ፋብያን ዶቢ ዝመርሖ ዘሎ ናይ ብጫ ማልያ መስርዕ፡ ንቐዳማይ መድረኽ ዝተዓወተ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ተሰሪዑ ኣሎ። ዛጊት ተኻዪዱ ብዘሎ ውድድር፡ ብጋንታ ንኤርትራዊ ዮኤል ሃብተኣብ እትሓቍፍ ባይክ-አይድ ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድማ ካልኣይቲ ኰይና ትስዕባ ኣላ። ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ’ውን ድሕሪ ናይ ሳልሳይ መድረኽ፡ ዝነበረ መስርዕ ብሰለስተ ኣመሓዪሻ ሻሙናይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።
ቅጥዒ