ዋሽንግተን —
ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝጻወት ሄኖክ ምሉእብርሃን ቀዳማይ ብምውጻእ ፈላሚ ዓወት ሓፊሱ ኣሎ። ኣብቲ ኣዝዩ ተቐራራቢ መዛዝሚ ሕንጻጽ ንሄኖክ ስዒቡ እስራኤላዊ ሩተም ተን ካልኣይ ወጺኡ።
ኣብዚ ፈለሚ መድረኽ ምስ ጋንታ ሰንተር ሞዲያል ዝጻወት ኢትዮጵያዊ ኣማኑኤል ተስፋይ ታሽዓይ ክወጽእ እንከሎ፡ ኤርትራዊ ዮኤል ሃብታኣብ ካብ ክልተ ባይክ ኣይድ ድማ ዓሰራይ ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ትማሊ ሰንበት ብናይ ፕሮሎግ ውድድር ዝተኸፍተ ዙር ሩዋንዳ፡ ኣብ መኽፈቲ እቲ ውድድር በልጅማዊ ኣልዶ ታይልዩ ከም ዝተዓወተሉ ይዝከር። እቲ ኣብ መኽፈቲ መድረኽ፡ ብሰንበት ዝተኻየደ 3.4 ኪሎሜተር ዝሽፍን ውድድር ግን ኣብዘን ሸውዓተ መድረኻት ዝጽብጸብ ኣይኰነን።
ቅጥዒ