ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ካብ ስልጣኖም ንክወርዱ መፀዋዕታ ቀሪብሎም


ሪክ መቻር
ሪክ መቻር

መራሒ ደባይ ተዋጋእቲ ደቡብ ሱዳን ሪክ መቻር ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ 'ምምሕዳር ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፣ሕጋዊ ኣይኮነን' ኢሉዎ።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ካብ ስልጣን ንክወርዱ መፀዋዕታ ዘቅረበ ሪክ መቻር፣ምምሕዳር ጁባ ሕጋዊ ኣይኮነን ስለዚ ምስ'ቲ ስርዓት'ቲ ፅምዶ ዝገበረ ምስ ዕልዋ ኣንፃር ህዝቡ ዘካየደ ስርዓት ማዕረ ፅምዶ ምግባር'ዩ' ክብል ገሊፅዎ።

'በይነ መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ኣንፈት ነባራይ ሰላም ንክሕብረና ኢና ንፅበ ዘለና' እውን ይብል ዶ/ር ሪክ መቻር።እንተኾነ ኢጋድ ዘሳልጦ መስርሕ ሰላም ፈንተት ኣይበለን ይብሉ ተንተንቲ።

'ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ስልጣን ዘየርክብ እንተዳኣኮይኑ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ንክኣልዮ መሰሉ'ዩ' ይብል ሪክ መቻር።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ክልቲኦም ተፃባእቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን፣መግሃስቲ መሰላት ኣብ እዋን ግጭት ፈፂሞም'ዮም ኢሉ ይኸስስ ሕቡራት ሃገራት።ኣብ'ዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ህውክት ደቡብ ሱዳን ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ሰላማዊያን ሰባት ተፈናቂሎም'ዮም።

XS
SM
MD
LG