ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንናይ ኢትዮጵያ ደባይ ተዋጋእቲ ይሕግዝ ኣሎ ክብል ብሪያክ ማቻር ዝምራሕ ተቓዋሚ ምኽሳሱ


Map of South Sudan
Map of South Sudan

ብዶ/ ሪያክ ማቻር ዝምራሕ ናይ ደቡብ ሱዳን ተቓዋሚ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንሓደ ናይ ኢትዮጵያ ደባይ ተዋጋኢ ይሕግዝ ኣሎ ክብል ኸሲሱ።መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ይኹን መራሒ ደባይ ተዋጋኢ ኢትዮጵያ ነቲ ኽሲ ነፂጎምዎ ኣለው።

ወሃቢ ቃል ምንቅስቓስ ተቓዋሚ ሓርነት ህዝቢ ደቡብ ሱዳን SPLM-IO ኮለኔል ጄምስ ሎኒ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ’’ግንባር ሕብረት ሓረበኛታት ኢትዮጵያ’’ ብዝብል ሽም ንዝፅዋዕ ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ጉጅለ ይሕግዝ ኣሎ ክብሉ ድሕሪ ምግላፅ ኣስዒቦም ‘’ናይቲ ውድብ መራሒ ትዋት ቻል ኣብ ከባቢ ፓሻላህ መደብር ኣለዎ።ንኦሮሞ፣ኣኙዋክን ኑዌርን የሰልጥኑ ኣለው’’ኢሎም።ንኣስታት 2,000 ዕጡቓት ወዲቦም ኣብ ማቲያንግን ኣጓክን ኣብ ልዕሌና መጥቓዕቲ ፈፂሞም ሓይልታትና ግን ነቲ መጥቓዕቲ መሊሶምዎ እውን ኢሎም ብምውሳኽ

ሓይልታቶም ንገሊኦም ከምዝቐተሉዎምን ሬስኦም ከምዝሓዙን እዚ ድማ መርትዖ ምዃኑን ገሊፆም ኮሎኔል ሎኒ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንመራሒ ደባይ ተዋጋእቲ ኢትዮጵያ ሓደ ሚሊዮን ዶላር ምሃቡ ዘረጋግፅ ሰነድ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘረከቡን ወሲኾም ገሊፆም እቶም ወሃቢ ቃል።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ኮሎኔል ፊሊፕ ኣጉዌር ግን መንግስቶም ንዓመፅቲ ጉጅለ ኢትዮጵያ የዕቁብን ይሕግዝን ዝብሉ ክስታት ሓሶት ኢሎምዎ ኣለው።

‘’ፃዕዳ ሕሶት እዩ’’ ዝበሉ ኮሎኔል ፍሊፕ ኣስዒቦም ‘’ታሪኻዊ ርክብ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳን ዝርድኡ ደቡብ ሱዳናዊያን ነዚ ኣይቕበሉዎን’’ኢሎም።

ሓይልታት ፀጥታ ደቡብ ሱዳን ኣብ ፀጥታ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ምስ ሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ክሰርሑ ናይ ፀጥታ ምርድዳእ ኣለና እውን ኢሎም እቶም ወሃቢ ቃል።

ብዛዕባ ዝተጠቕሰ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዝተሓተቱ ኮሎኔል ፊልፕ ሃገሮም ናይ ገንዘብ ሽግር እንሃለዋ ነዚ ተስፋ ዘይብሎ ክብሉ ንዝፀውዖዎም ደባይ ተዋጋኢ ኢትዮጵያ ክሕግዝ ኣይክእልንመንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዝተብሃለ ኽሲ ከፀሪዮ ድልዋት ኢና ኢሎም።

SPLM/SPLA ኣብ 1983 / ኣብ ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ክጅምር ናይ መንግስቱ ሃይለማሪያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክውድቡዎም ዝተመደቡ፣ ምስ ሱዳን ናይ ዘዳቡ ከባቢ ሓላፊ ደሕንነት ምንባሮም ዝገለፁ መራሒ ’’ግንባር ሕብረት ሓረበኛታት ኢትዮጵያ’’ ቱዋት ፓል ቻይ ሓሶት እዩ ክብሉ ነቲ ኽሲ ነፂጎምዎ ኣለው።

ብሪያክ ማቻር ዝምራሕ ደባይ ተዋጋእቲ ነዚ ናይ ሓሶት ወረ ዝዝርግሕ ዘሎ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወታደራውን ፖለቲካውን ድጋፍ ንምርካብ እዩ ኢሎም ቱዋት።

ወሃቢ ቃል ዓመፅቲ ደቡብ ሱዳን መራሒ ተቓዋሚ ጉጅለ ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ሱዳን ጁባ እዩ ዝርከብ ንዝበልዎ እውን ኣብ ውሽጢ ደቡብ ሱዳን ከምዘይንቀሳቐሱ የግዳስ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።ካብ መንግስቲ ሳልቫ ኪር ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ኣይረኸብናን፣ካብ 2011 / ጀሚሩ ምስ ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ተራኺብና ኣይንፈልጥን እውን ኢሎም።

ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን ኢትዮጵያ ኣብ መስርሕ ሰላም ትፃወቶ ዘላ ጊድ ብምንኣድ ከም ማእኸላይ ሽማገለ ኮይና ሃናፂ ጊደ ምፅዋታ ክትቕፅለሉ እምነትና እዩ ኢሎም።ሪኢቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምርካብ ዝገበርኩዎ ፈተነ ኣይሰለጠን።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:19 0:00

XS
SM
MD
LG