ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳን፤ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ሃገራዊ ምርጫ ከምዝካየድ ፕረዚደንት ኪር ኣፍሊጦም


ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር - ፋይል
ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር - ፋይል

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር፡ እቲ ንዝመጽእ ዓመት ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ እዋኑ ክግበር ምዃኑ ሓቢሮም። እቶም ካብ ፈለማ ናጽነት እታ ሃገር ማለት 2011 ኣትሒዞም ነታ ሃገር ዝመርሑ ዘለዉ ፕረዚደንት ከም ዝጠቐሱዎ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ እቲ ሃገራዊ ምርጫ ክናዋሕ ምጽናሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሕጂ ግን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክካየድ ምዃኑ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኪር ንስልጣን ፕረዚደንትነት ክወዳደሩ ምዃኖም’ውን ኣመልኪቶም ኣለዉ። ዛጊት ካልእ ተወዳዳሪ ወግዓዊ ዝገበረ የሎን። እንተዀነ፡ ናይ ነዊሕ እዋን መቀናቕንቲን ናይ ቅድም ምኽትል ፕረዚደንትን ሬክ ማሸር ክወዳደር ምዃኑ ትጽቢት ይግበረሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG