ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ወጥሪ ይንህር ከምዘሎ ተገሊፁ


ኣድመፅቲ ደቡብ ሱዳን ነፃነት ካብ ዝመርፁ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ብዝተኻየዱ ውሽጣዊ ጎንፅታት 800 ሰባት ከምዝተቐተሉ ፀብፃባት ሕቡራት መንግስታት ይሕብሩ።

ካብ ኣፍሪካ እታ ዝዓበየት ሃገር ሱዳን ናብ ክልተ ሃገራት ቅድሚ ምምቃላ ወጥሪ እናንሃረ ይርከብ።ዜግነት፡ምስሕሓብ ዶብ፡ኣታዊ ነዳድን ውሽጣዊ ግጭትን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ጉዳያት ሕዚ’ውን ኣይተፈትሑን ዘለው።

ናብ ሓደ ሚእቲ ዝፅግዑ መናእሰይ ብዛዕባ መፃኢ ነፃነት ደቡብ ሱዳን ንምዝታይ ኣብ ቀረባ ግዜ ተኣኪቦም ነይሮም።ኣብታ ሓዳስ ሃገሮም ዝህሊ መነባብሮ ብከመይ ክቕይርዎ ከምዝኽእሉ ብናይ ኢድ ስእልታትን ግጥምታትን ስምዒቶም ይገልፁ ነይሮም።

ሱማያ እስማዕል ዝተብሃለት መንእሰይ ’’ ኣብ ልዕሊ እቶም ዛጊድ ብፕሬዝዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪርን ተሃኒፆም ዘለው ተወሰኽቲ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ክሃንፅ እየ።መፅለሊ ብምህናፅ’ውን ንድኻታት ክሕግዝ እየ።’’ትብል።

ሓዳሽ ኣፍሪካዊት ሃገር ብዕሊ ክትውለድ ክልተ ኣዋርሕ ኣብዝተረፈሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ሕዚ’ውን ኣይተፈትሑን።ኣብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ምኽትል ምንስቴር ጉዳያት ኣፍሪካ ጆኒ ካርሰን ኣብ ጉዳይ ኣብየ ፖለቲካዊ ፍታሕ ምርካብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ኣድመፅቲ ደቡብ ሱዳን ነፃነት ካብ ዝመርፁ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ብዝተኻየዱ ውሽጣዊ ጎንፅታት 800 ሰባት ከምዝተቐተሉ ፀብፃባት ሕቡራት መንግስታት ይሕብሩ።ምኽትል ፕሬዝዳንት ደቡብ ሲዳን ረይክ ማቻር ምስ ሓንቲ ሬድዮ ኣብዘካየድዎ ቃለ መጥይቕ ወታደራት ሰሜን ሱዳን ንናዕበኛታት የዕጥቕዎም ከምዘልው ይኸሱ።ሰሜን ግን ነቲ ኽሲ ትነፅጎ።

ፕሬዝዳንት ደቡብ ሱዳን ኦማር ኣልበሽር ደቡብ ሱዳን ነታ ኣሰሓሓቢት ከባቢ ኣብየ ትግብአኒ ኢያ እንተ ኢላ መንግስቶም ንነፃነት ደቡብ ሱዳን ኣፍልጦ ከምዘይህብ ኣብ ቀረባ ተዛሪቦም ነይሮም።እቲ ዝሃብዎ መጠንቀቕታ ደቡብ ሱዳን ንኣብየ ኣካል ግዝኣታ ዝገብር ረቂቕ ሕገ መንግስቲ ምዝርጋሕ ምስጀመረት ነይሩ።

XS
SM
MD
LG