ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኩለመዳያዊ ምቁራጽ ተኵሲ ክካይድ ደ/ኣፍሪቃ ጸዊዓ


ሚኒስትር ዓለምለኻዊ ርክባትን ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪቃ ናለዲ ፓንዶር -ፋይል
ሚኒስትር ዓለምለኻዊ ርክባትን ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪቃ ናለዲ ፓንዶር -ፋይል

ሚኒስትር ዓለምለኻዊ ርክባትን ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪቃ ናለዲ ፓንዶር ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ውግእ “ቅልጡፍ ኩለመዳያዊ ምቁራፅ ተዅሲ” ክካየድን ኣፍደገታት ንሰብኣዊ ሓገዛት ክፉት ክኸውን ሃገረን ከም እትጠልብ ትማሊ ሰሉስ 8 ሕዳር 2023 ደጊመን ፀዊዐን።

ንሰን ነዚ ዝበላ ብሰኑይ ሃገረን ኣብ እስራኤል ንዝርከብ ኣምባሳደራ ንኽምለስ ድሕሪ ምፅዋዕ ነቲ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝፍፀም ዘሎ መጥቃዕቲ ብምቅዋምን ነቲ ተግባር “ምፅናት ዓሌት” ክትብል ድሕሪ ምፅዋዓን እዩ።

ከምኡ እውን ንመርገጺ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ውግእ እስራኤልን ሓማስን ኣመልኪቱ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሃቦ ርእይቶ ብዝምልከት መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ እዩ ኣብቲ ብሰኑይ ዝሃቦ መግለፂ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG