ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ብእግሮም ካብ ቓዛ ይምርሹ


ካብ መንበሪኦም ዝስደዱ ዘለው ነበርቲ ቓዛ
ካብ መንበሪኦም ዝስደዱ ዘለው ነበርቲ ቓዛ

መሰረታዊ ቀረባት ኣብ ዝጽንቀቐሉን መጥቃዕቲ ከበድቲ ብረት ኣብ ዝጽዕቀሉን ዘሎ ሕጂ እዋን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ኣባይቶም ሓዲጎም፡ ብእግሪ ካብ ቓዛ ይምርሹ ከም ዘለዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ። ድሮ 70% ናይቶም 2.3 ሚልዮን ነበርቲ ቓዛ ኣባይቶም ምሕዳጎም ክፍለጥ እንከሎ፡ ሕጂ ግን ምጽናሕ ኣዝዩ ከቢድ ኣብ ዝዀነሉ፡ ኣብታ መዓልታዊ ብእስራኤል ተኸፊታ ዘላ ናይ ኣርባዕተ ሰዓታት መስኮት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብቲ ቦታ ይወጽኡ ኣለዉ። ትማሊ ሰሉስ ጥራይ 15-ሽሕ ምውጻኦም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ ዛጊት 10,500 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም ኣለዉ። ክልተ ርብዒ ካብኣቶም ደቀንስትዮን ትሕቲ-ዕድመ ቆልዑን ምዃኖም እቲ ዝወጸ ሓበሬታ ይውስኽ። በቲ ደብዳባት እስራኤል ድማ ኣስታት 2,300 ሰባት ኣብቲ ፍርስራስ ኣባይቲ ተቐቢሮም ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይግምት።

ወርሑ የሕሊፉ ዘሎ ኲናት ካብ ዝጅምር’ውን ኣብ ዶባት ቓዛን ሊባኖስን ዝነበሩ ኣስታት 250-ሽሕ እስራኤላውያን ካብ መንበሪታቶም ከም ዝተመዛበሉ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ይሕብር።

እስራኤል ንሰብኣዊ ሓገዝን ምውጻእ ሰቪላውያን ዜጋታትን ደብዳብ ከተቋርጽ ብሓያሎ ኣካላት ተደጋጋሚ ጻውዒት ቀሪቡላ’ዩ።

መዓልታዊ ኣማኢት ጽዕነት ሓገዝን ቀዳማይ ረዲኤትን ዝሓዛ መካይን ካብ ግብጺ ይኣትዋ ኣለዋ። ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ኣገልግሎት ግን እቲ ሓገዝ ምስቲ ዘሎ ጠለብ ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ንኡስ ምዃኑ ይሕብሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG