ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፍልሰተኛታት ኣብ ኢኮኖሚ'ታ ሃገር ዓብይ ኣበርክቶ ኣለዎም ይብል


ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ዘይደቂ ዓዲ ዝረአ ጽልኣት ኣብዝነሃረሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝወጸ ሓድሽ መጽናዕቲ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣብ ኢኮኖሚ’ታ ሃገር ዘይንዓቕ አበርክቶ ከምዘለዎም ይሕብር።

ፍልሰተኛታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ኢኮኖሚ ይሃንጹ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝወጸ ጸብጻብ መብዛሕትኦም ፍልሰተኛታት ጻዕረኛታት ምዃኖም አርእዩ’ሎ።

መብዛሕትኦም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘለው ፍልሰተኛታት ሶማልያዊያን፡ ኢትዮጵያዊያን፡ባንግላዴሻዊያን፡ዜጋታት ፓኪስታን ዝውንንዎ ነአሽቱ ኣብያተ ንግዲ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃዊያን ኣብ ዝተኻረይዎ አባይቲ ምዃኑ እዚ’ውን ነቶም ወነንቲ አባይቲ ዝኾኑ ደቡብ ኣፍሪቃዊያን አታዊ የርክብሎም ምኻኑ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG