ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ፡ ገለ ስድራቤታት ቆልዑት ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ነጺሎም ንምዕባይ ይውስኑ


ኣመሪካ፡ ገለ ስድራቤታት ቆልዑት ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ነጺሎም ንምዕባይ ይውስኑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:08 0:00

ኣመሪካ፡ ገለ ስድራቤታት ቆልዑት ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ነጺሎም ንምዕባይ ይውስኑ

ንቆልዑት ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ነጺልካ ምዕባይ ጉድኣት`ውን ከምዘለዎ ንወለድን ተመሃሮን ክርኣዮም ጀሚሩ`ሎ።

ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ልዕሊ ባህሊ: ምንባብን ስድራቤታዊ ግዜን ከምኡ`ውን ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ዘሕድሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ብተደጋጋሚ ዝጥቀስ ኮይኑ፡ ዘይምጥቃሙ ድማ ንተመሃሮ ብዙሕ ዕድላት ከምልጦም ከምዝኽእል ይግለጽ።

ከይት ባልክሊ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ከላ ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ምርሓቓ ኣብ መጀመርያ ጠቒምዋ ኔሩ።

ብዙሕ መጻሕፍቲ ተንብብ፡ ጽቡቕ ነጥቢ ተምጽእ፡ ኣብ ዙርያ መኣዲ ድራር ምስ ወለዳ ጽቡቕ ተዕልል፡ ከምኡ`ውን ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ምርኣይ ፊልምታት ተሰተማቕር ኔራ ።

ናብ 10`ይ ክፍሊ ምስ ሓለፈት ግን ዘይተጸበየቶ ክመጽእ ጀሚሩ። ብስናፕ-ቻት ዝዳሎ ኣኼባ ተመሃሮ ከምልጣ ጀሚሩ።

ብማሕበራዊ ሚድያ ዝውሃብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከይተረፈ ብኢንስትግራም ክወሃብ ጀሚሩ።

ኣብ ብሩክሊን ኒው-ዮርክ ተመሃሪት 12 ክፍሊ ጋብሪአላ ዱርሃም፡ ነዚ ሎሚ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ንብጻሕ ማሕበራዊ ሚድያ ኣይተጠቐመትን።

ቀጥ ኢላ ኣብ መስመራ ትጉዓዝ፡ ብሉጽ ነጥቢ ዘለዋ ንፍዕቲ ተመሃሪት`ያ። እንተኾነ ማሕበራዊ ሚድያ ዘይምጥቃማ ኣብ ገሊኡ ከም ግዳማዊት ጌርዋ`ዩ። ኣብ ገሊኡ`ውን ጎዲእዋ`ዩ።

ሎሚ ግን ዓወት ይስምዓ።

ሳዕቤናት ማሕበራዊ ሚድያ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ብዙሓት ወለዲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገደብ ክገብሩ ወይ ምሉእ ክልከላ ክገብሩ ፈቲኖም `ዮም።

ተመሃሮ ባዕሎም ልዕሊ ዓቐን ምጥቃም ማሕበራዊ ሚድያ ጎዳኢ ምዃኑ ይርድኦም`ዩ። ገሊኦም ካብኡ ከወጹ ዝጽዕሩ`ውን ኣለዉ። ምኽንያቱ ኣብ ጥዕና ኣእምሮኦምን ኣብ ውጽኢት ትምህርቲን ሳዕቤን ዘለዎ ምዃኑ ብምርዳእ ድማ ነቲ ውሳነ ይወስዱ።

እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ኣብ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዘሎ ብድሆታት ማሕበራዊ ሚድያ፡ ብዛዕባ ገዝኦም ዓጽዮም ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ቲክቶክ ዝርእዩ ቆልዑ፡ ብዛዕባ ብሓባር ተለቭዥን ዝርእያ ዝነበራ ስድራቤታት ከምኡ`ውን ቀጻሊ ኣሉታዊ ጽልዋታት`ዩ። እቲ ሕጂ ዘሎ ምስሕሓብ ኣብ መንጎ ረብሓን ጉድኣትን ማሕበራዊ ሚድያ ዘሎ ሚዛን ከመይ ተጠዓዕሞ `ዩ።

ማሕበራዊ ሚድያ ሎሚ ቆልዑት መንነቶም ዝፍልጥሉ፡ ምኽሪ ዝደልይሉ ጭንቀቶም ዘራግፍሉ፡ በቲ ሓደ፡ በቲ ካልእ ድማ ንጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ዝቃልዕሉ ኮይኑ`ሎ ይብሉ ክኢላታት።

ቪቨክ ሙርቲሓላፊ ህዝባዊ ጥዕና ኣመሪካ ኣብ ዝመሓላለፎ መጠንቀቕታ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ሰለስተ ሰዓታት ማሕበራዊ ሚድያ ዝጥቀሙ ቆልዑ ንሓደጋ ጭንቀትን ቅዛነትን ብዕጽፊ ይቃልዑ ይብል ።

ስድራቤታት ከይትን ገብርኤላን ኣብ ልዕሊ ደቆም ጽኑዕ ምጥቃም ማሕበራዊ ሚድያ መምርሕታት ጌሮም`ዮም ኣዕብዮመን።

ክሳብ ማእከላይ ደረጃ ዝኣትዋ ተሌፎን ኣይሃብወንን፡ ክሳብ 18-ዓመት ዝበጽሓ`ውን ማሕበራዊ ሚድያ ከይትጥቀማ ተባሂለን።

ማሕበራዊ ሚድያ ሕማቕ ምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኣእምሮ፡ ኣብ ልዕሊ ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ከምኡ `ውን ስእልታት ምልጣፍ ተመሊሱ ክሃድነካ ዝኽእል ምዃኑ እናመሃሩ`ዮም ኣዕብዮመን።

ጋብሬላ ንእሽቶ ከላ ዝተነጸለት ኮይና ይስምዓ ኔሩ፡ ገና `ውን ይስምዓ`ዩ።

እንተኾነ ማሕበራዊ ሚድያ ዘይምጥቃማ ናጽነት`ዩ ዝስምዓ፡ ምኽንያቱ ብዙሓት ቆልዑት ናይ ሓሶት ምስሊ ንምውጻእ ማሕበራዊ ሚድያ እዮም ዝጥቀሙ እዚ ድማ ዘሕዝን`ዩ ትብል። ከምኡ`ውን ቅንዕና ትሕትና ልግሲ ዝኣመሰሉ ነገራት ዝጎደሎ ናይ መሓዙት ተዋስኦ ስለዘሎ ካብኡ ምውጽአይ ዕድለኛ `የ ትብል።

ከይት ብወገና ማሕበራዊ ሚድያ ዘይምጥቃማ ትቃዎሞ ኔራ`ያ። ወለዳ ሓደ እዋን`ውን ብጸቕጢ መዘና ትኣብየና ትኸውን ዝብል ስግኣት ኔርዎም`ዩ ። ድሓር ግን ግዜኻ ምቕታል ምዃኑ እዩ ተራእዩዋ።

ንባዕላ ኣብ ትምህርቲ ጥራሕ ተተኩርን፡ ብዙሕ ምስ መሓዙታ ሕውስቲ ዘይምዃናን ትገልጽ ከይት፡ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ዘለዋ ምንቅስቓሳት ጥራይ ንምክትታል ኢንስትግራም ከም ዘድለያ ትገልጽ። ንሳ “ኣብ ክለብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንክጥቀመሉ ጥራሕ `ዩ ኣድልዩኒ “ ትብል ።

ስድራ ቤታ ድማ፡ ንጓሎም ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ክትኣቱ ዝገበራ ዘሎ ቤት ትምህርታ`ዩ ይብሉ።

ኣብያተ ትምህርቲ ብዛዕባ ምድራት ማሕበራዊ ሚድያ ንኣፎም ይዛረቡ እዮም ዝብል ኣቡኣ ራስ ባልከሊ፡ ቴክኖሎጂ ኣካል መዓልታዊ ንጥፈት ትምህርቲ ይኸውን ኣሎ፡ እዚ ድማ ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ይኸይድ ኣሎ ይብል።

እንተኾነ ኣብ መወዳእታ ኣብ ካልእ ጠቓሚ ዝብሃል ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ዘሎ ምንቅስቓሳት ስለ ትሳተፍ፡ ንማሕበራዊ ሚድያ ዝኸውን ተረፍ ግዜ የብላን ዝብል እምነት ብምሓዝ ጓሎም ኢንስትግራም ክህልዋ ናብ ዘቕረበትሎም ሕቶ ክርዕሙ ጀሚሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG