ፕረዚደንት ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሒ ዓብዲ፡ ንሓድሽ ተመራጻይ ፕረዚደንት ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ (ኢሮ) እንቋዕ ኣብቅዓካ ብምባል ስልጣኑ ብሰላማዊ መንገዲ ናብቲ ዝመጽእ ምምሕዳር ከሰጋግር ምዃኑ ገሊጹ።
ቅድሚ እቲ ምርጫ ንውጽኢት ክቕበል ምዃኑ ዝነገረ ፕረዚደንት ሙሰ፡ ሕጂ’ውን ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ኩልሚየ ንውጽኢት እቲ ምርጫ ከኽብር ምዃኑ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ሙሰ ቢሒ ኣብቲ ኣብ ሃርጌሳ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ “እቲ ውድድር ከም ጸወታ ኵዕሶ’ዩ ነይሩ። ኣብ ሜዳ ዝተሳዕረ ብዘይ ቂም ስዕረቱ ተቐቢሉ ካብ ሜዳ ይወጽእ፡” ኢሉ።
ቃለ-ማሕላ ን13 ታሕሳስ ዝፍጽም ምሩጽ-ፕረዚደንት ዓብዲራሕማን ኢሮ’ውን ንመሪሕነት ሙሰ ቢሒን ንሕገ-መንግስቲ እታ ሶማሊላንድን ምቕባሉ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ዘካፈሎ መልእኽቲ ሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንሓድሽ ተመራጺ ፕረዚደንት እታ ርእሰ-ምምሕዳር እንቋዕ ሓጎሰካ ኢሉ’ዩ። ድሕሪ ናይ ባሕቲ ጥሪ ኣከራኻሪ ስምምዕ መዘከር ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ክልተ ወገናት ኣብ ጽቡቕ ሓዲድ ዝምድና ከም ዘለዋ ይፍለጥ። እቲ ስምምዕ መዘከር ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ሕጂ ስልጣን ዝለቅቕ ዘሎ ሙሰ ቢሒ ዓብዲን’ዩ ተፈሪሙ። ዝመጽእ ምምሕዳር ኣብቲ ጉዳይ እንታይ መርገጺ ከም ዝወስድ ዛጊት ኣይነጸረን።
ቅጥዒ