ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ምርጫ ሶማሊላንድ፡ ዓብዲራሕማን “ኢሮ” ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ምዕዋቱ ኣፍሊጡ


ኮሚሽን ምርጫ ሶማሊላንድ፡ ዓብዲራሕማን “ኢሮ” ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ምዕዋቱ ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:29 0:00

ኮሚሽን ምርጫ ሶማሊላንድ፡ ዓብዲራሕማን “ኢሮ” ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ምዕዋቱ ኣፍሊጡ

ኮሚሽን ምርጫ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ፡ ሎሚ ሰሉስ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ውጽኢት ምርጫ፡ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብዲላሂ (ኢሮ) ነታ ርእሰ-ምምሕዳር ክመርሕ ዝጸንሐ ሙሰ ቢሒ ዓብዲ ስዒሩ ኣብቲ ምርጫ ምዕዋቱ ኣፍሊጡ። ኢሮ ዝመርሖ ሃገራዊ ሰልፊ ኣብቲ ምርጫ ብ63.9% ዓብላሊ ድምጺ ክረክብ እንከሎ፡ መቀናቕንቲ ሰልፊ ናይ ሙሰ ቢሒ ግን 34.8% ድምጺ ረኺቡ ኣሎ።

ወዲ 69 ዓመት ዓብዲራሕማን ኢሮ ን13 ታሕሳስ ቃለ-ማሕላ ክፍጽም’ዩ። እቲ ምርጫ ን2022 ተወጢኑ ዝነበረ ኰይኑ፡ ብሰንኪ ዝተራእየ ፖለቲካዊ ሽግር’ዩ ክሳብ ሕጂ ጸኒሑ። ምርጫ ርእሰ-ምምዳር ሶማሊላንድ ነፍሲ-ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት’ዩ ዝካየድ። ሙሰ ቢሒ ኣብ 2017 ዝተኻየደ ምርጫ እታ ርእሰ-ምምሕዳር ነዚ ሎሚ ተዓዋቲ ዝዀነ ዓብዲራሕማን ኢሮ ስዒሩ’ዩ ክመርሕ ጸኒሑ።

ፕረዚደንት ሶማሊያ ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ንሓድሽ ምሩጽ ፕረዚደንት ናይ እንቋዕ ሓጐሰካ መልእኽቲ ሰዲዱ ኣሎ።

ካልኦት ንኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ መቓዲሾ ሓዊሶም’ውን በቲ ዝተኻየደ ምርጫን እታ ርእሰ-ምምሕዳር እተካይዶ ሰላማዊ ስግግርን ናእዳኦም ገሊጾም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG