ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳመይቲ ሶማልያዊት ኣሜሪካዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣባል ሰኔት ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ ኮይና


ኣብ ኬንያ ካብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ናብ ኣባልነት ሰኔት ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ ኣሜሪካ ዘይመስል ጉዕዞ’ዩ እንተኾነ ጓል 34 ዓመት ሶማልያዊት ኤልሃም ዑመር ኣብ ኣሜሪካ ኣሜሪካዊት አባል ሰኔት ብምኳን ታሪኽ ሰሪሓ።

ኣብ ኣሜሪካ ንኣመንቲ እስልምና ብፍላይ ኸአ ንደቂ ኣንስትዮ ኣመንቲ እስልምና ዓለም ድማ ጮራ ተስፋ ኮይና’ላ።

ኤልሃም ዑመር ሒደት ሰባት ጥራይ ኽከውን ይኽኣል’ዩ ኢሎም ዝሓሰብዎ ዓወት’ያ ረኺባ ብፍላይ ኣብቲ ብዛዕባ ኢምግሬሽን ግብረሽበራን ዝነበረ ንኣመንቲ እስልምና ኣሜሪካዊያን ዝጠመተ ክትዕ ዝነበሮ እዋን ወፍሪ ምርጫ እዚ ዓመት እዚ ዳርጋ ዘይሕሰብ እዩ ዝነበረ እንተኾነ ግን ተዓዊታ።

ኤልሃም ዑመር ኣብ ባይቶ ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ ዝሕልዋ ኣበርኽቶ ገና ዝርአ’ዩ ዝኸውን ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ትኹረት ተወሰኽቲ መረጽቲ ስሒባ’ላ እዚ ድማ ዓብይ ነገር’ዩ ኣብዚ ሎሚ ዝገበርናዮ ዓለም ምሉእ ይርእዮ’ሎ ይብል ኦሳድ ዛማን።

ኤልሃም ዑመር ብወገና ሕጂ ተሪፉ ዘሎ ከምቲ ህዝቢ ካብኣ ትጽቢት ዝገብረላ ኮይና ምስራሕ ሓደ ካብቲ ዘለዋ ዓበይቲ ብድሆታት ሓደ ምኳኑ ገሊጻ’ላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቀዳመይቲ ሶማልያዊት ኣሜሪካዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣባል ሰኔት ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ ኮይና
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:04 0:00

XS
SM
MD
LG