ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣብ ክንዲ ዝወከለኒ ህዝቢ ስለዝተዛረኹ ንህይወተይ ሰጊኣ ተሓቢኣ ኣለኹ" ወኪል ክልል ሶማል ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ


ፓርላማ ኢትዮጵያ
ፓርላማ ኢትዮጵያ

አባል ፓርላማ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ዓሊ ገዱ ብዝብል ስም ዝፍለጡ ዓሊ ማሕሙድ አብዲ ኣብ ክንዲ’ቲ ዝወከሎም ህዝቢ ስለዝተዛረብኩን ንህይወተይ ሰጊኣ ተሓቢኣ ኣለኹ ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም: እንተኾነ ናይቲ ዝተወከልሉ ክልል ሶማል ምምሕዳር ግን ነዚ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ከተማ ጂጂጋ ብምውካል አባል ፓርላማ ዝኾኑ ዓሊ ገዱ ወይ ዓሊ ማሕሙድ አብዲ ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ቋንቋ ሶማል ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቕ ኣብ ክንዲ’ቲ ዝወከሎም ህዝቢ ብምዝራቦም ንህይወቶም ብምስጋእ፤ ተሓቢኦም ከምዝርከቡ ብምግላጽ ምምሕዳር ክልል ሶማል ይፍጽሞም ኣሎ ዝበልዎ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ምንቅስቃስ ጭቆና ዝበልዎ ብምግላጽ ነቲ ምምሕዳር ዘሕጉስ ዘይተዛረበ ከቢድ ጭካነ ዘለዎ መቕጻዕቲ ከምዘጋጥሞ ሓቢሮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብደረጃ ፈደራል ዝተራእየ ለውጢ ናብ ክልል ሶማል ሓዊሱ ናብ ኹለን ክልላት’ታ ሃገር ክባጻሕ ተስፋ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ምዃኑ ብምግላጽ ህጹጽ ትኹረት ዘድልዮ ጉዳያት ግን ኣሎ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG